ኢትዮጵያን ፈረንሳይን ስምምዕ ኢኮኖሚ ልዕሊ 81 ሚልዮን ዩሮ ተፈራሪመን - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያን ፈረንሳይን ስምምዕ ኢኮኖሚ ልዕሊ 81 ሚልዮን ዩሮ ተፈራሪመን
ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት 4/2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያን ፈረንሳይን ስምምዕ ደገፍ ኢኮኖሚን ስትራቴጂካዊ ርክበን ዘጠናኽር ምምጥጣን ዕዳን 81 ነጥቢ 5 ሚልዮን ዩሮ ተፈራሪመን።
እቲ ስምምዕ፤ ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴን ልኡኽቲ ሚኒስትር ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኣውሮፓን ፈረንሳይን ኤሌኖር ካሮይትን እዮም ፈሪመምዎ።
እቲ ስምምዕ ደገፍ፤ ንስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ልምዓት ኢትዮጵያን ፈረንሳይን ዘጠናኽርን ንኣጀንዳ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዝድግፍን ወሳኒ ስጉምቲ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ብተወሳኺ እውን ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንምጥንኻር ዓብዪ ምዕራፍ ኣብ ዝኾነ ስምምዕ ምምጥጣን ዕዳ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ትሕቲ ሓባራዊ ማዕቐፍ ጉጅለ 20 ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2025 ፈላማይ ክልቲኣዊ መረዳድኢ ስምምዕ ተፈራሪመን እየን።
ካብቲ እፎይታ ዕዳ ብተወሳኺ ን(HGER 2.0) ደገፍ በጀት 80 ሚሊዮን ዩሮን ደገፍ ቴክኒክ 1.5 ሚሊዮን ዩሮ ዝሓቖፈ ሓዱሽ ማዕቐፍ ፋይናንስ ምስ ፈረንሳይ ተፈሪሙ።
እዚ ድማ ኣካል ፈረንሳይ ኣብ እዋን እቲ ፈላማይ ፕሮግራም ሪፎርም ኢኮኖሚ ዝገበረቶ ደገፍ 100 ሚልዮን ዩሮ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ፤ ፈረንሳይ ኣካቢት ኣለቃሕቲ ሃገራት ከም ምዃና መጠን እቲ መረዳድኢ ስምምዕ ዕዉት ንክኸውን ወሳኒ እጃም ከምዘበርከተት ኣረዲኦም።
ኢትዮጵያ ሓደሽቲ ዕድላት ኢንቨትመንት ክፍቲ ንምግባርን ዘለዋ ምትሕብባር ንምጥንኻርን ቆራፅ ከምዝኾነት እውን ኣረጋጊፆም።
ልኡኽቲ ሚኒስትር ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኣውሮፓን ፈረንሳይን ኤሌኖር ካሮይት ብግደአን፤ እቲ ስምምዕ ንነዊሕ እዋን ንዝፀንሐ ምሕዝነት ሕብረት ኣውሮፓን ኢትዮጵያን ዘርኢ እዩ ኢለን።
እቲ ስምምዕ፤ ኣብ ሓባራዊ ምክብባር፣ ሓባራዊ ፀጋታትን ዘላቒ ዕቤትን መሰረት ንዝገበረ ምሕዝነት ምስክር ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ እቲ ምትሕብባር ኢኮኖሚ እውን ምስ ኣጀንዳ ሪፎርም ኢትዮጵያ ዝጠዓዓም ከምዝኾነ ተዛሪበን።
ምትሕብባር ኢንቨስትመንት ኢኮኖሚ ኢትዮ-ፈረንሳይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ልዕሊ 600 ሚልዮን ዩሮ ዝበፅሐ እንትኸውን ካብዚ ድማ እቲ ልዕሊ 300 ሚልዮን ዩሮ ዝኸውን መሰረተ ልምዓት ሓይሊ ኢትዮጵያ ንምስፍሕፋሕን ንምምዕባልን ዝውዕል እዩ።