ሰላም ብዘላቕነት ንምፅናዕ ዝግበር ፃዕሪ ምርብራብ ዜጋታት ይሓትት-ቀሲስ ታጋይ ታደለ 

ሆሳእና/ለካቲት 4/2018(ኢዜኣ) ሰላም ብዘላቕነት ንምፅናዕ ዝግበር ፃዕሪ ምርብራብ ዜጋታት ከምዝሓትት ላዕለዋይ ፀሓፊ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ቀሲስ ታጋይ ታደለ ገሊፆም።
ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ዘዳለዎ መበል 6ይ ሃገራዊ ዓውደ መፅናዕቲ ሰላም “ሃይማኖት ንሰላም፣ሓድነትን ሕብረትን”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ ሆሳእና ይካየድ ኣሎ።



ላዕለዋይ ፀሓፊ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ቀሲስ ታጋይ ታደለ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ መሰረት ኩሉ ነገር ንዝኾነ ሰላም ብዘላቕነት ንምፅናዕ ምርብራብ ዜጋታት ወሳኒ እዩ።
ጉባኤ ትካልት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ ኣብ ዝገበር ፃዕሪ እጃሙ ንምውፃእ ድሉው ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።
እቲ ናይ ሎሚ መድረኽ እውን ሰላምን ሓድነትን ንምጥንኻር ከምኡ እውን ኣፈላላያት ብምፅባብ ብሓድነት ንምጉዓዝ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ገሊፆም።
ኣብ መንጎ ትካላት ሃይማኖትን ህዝብታትን ዝነበረ ፀጋ ሓድነት ንምሽርሻር ዝሰርሑ ናይ ሓሶት ማሕበራዊ ገፃት እናበዝሑ ከምዝመፁ ብምሕባር፤ ስራሕ ጥፍኣት እዞም ኣካላት ተዋዲድካ ምምካት ይግባእ ኢሎም።
ኣብቲ መድረኽ፤ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ማእኸላይ ኢትዮጵያ እንዳሻው ጣሰው(ዶ/ር)፣ላዕለዋይ ፀሓፊ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ቀሲስ ታጋይ ታደለ፣ተወከልቲ ሚኒስቴር ሰላምን ላዕለዎት ኣመራርሓ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖትን ከምኡ እውን ኣቦታት ሃይማኖትን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም