መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንሰብ ሃፍቲ ህንዲ ምችው ከባቢ ንግድን ኢንቨስትመንትን ፈጢሩ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት 4/2018(ኢዜ) መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንሰብ ሃፍቲ ህንዲ ምችው ከባቢ ንግድን ኢንቨስትመንትን ከምዝፈጠረ ኣምባሳደር ህንዲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣኒል ኩማር ራይ ገሊፆም።
ኣምባሳደር ኣኒል ኩማር ራይ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ መልክኣ ምድራውን ስትራቴጂካውን ስፍራ ኢትዮጵያ ንኣፍሪካ መእተዊት በሪ ዲፕሎማሲ ዓለም ኮይና ንክተገልግል እናኽኣላ እዩ ኢሎም።
እዚ ድማ ህንዲ ኣብ ሃገራት ኣፍሪካ ዝህልዋ ኩለ መዳያዊ ምትሕብባር ዲፕሎማሲ ንምጥንኻር ልዑል ደገፍ እናገበረ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ክልቲኣዊ ርክብ ኢትዮ-ህንዲ ዘበናት ዝተሳገረ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ዑደት ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ኣብ ኢትዮጵያ እውን ርክብ እተን ሃገራት ናብ ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ከዕብዮ ከምዝኸኣለ ኣረዲኦም።
መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ እውን ተሳትፎ ንግድን ኢንቨስትመንትን ሰብ ሃፍቲ ህንዲ ብምዕባይ ምችው ምህዳር ምትሕብባር ምፍጣር ከምዘኽኣለ ኣብራህሪሆም።
እቶም ኣምባሳደር ኣብ መበል 39 ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ብዝምልከት እውን ከምዝበልዎ፤ መሪሕ ሓሳብ እቲ ሕብረት ዓውዲ ቀረብን ስርዓት ኣተሓላልዋ ፅሬትን ማይ ንዕዉትነት ኣጀንዳ 2063 ዓቕሚ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ኣብ ቀፃሊ እውን ህንዲ ምስ ሃገራት ኣፍሪካ ዘለዋ ስትራቴጂክ ምሕዝነት ብምጥንኻር ንዕዉትነት ኣጀንዳ 2063 ትገብሮ ደገፍ ንምጥንኻር ቆራፅ እያ ኢሎም።
ህንዲ ኣብ ኣፍሪካ ዘለዋ ከባቢ 100 ቢልዮን ዶላር ንግድን ኢንቨስትመንትን ኣብ 2030 ብዕፅፊ ብምዕባይ ምስታ ኣህጉር ዘለዋ ምሕዝነት ብዝበለፀ ንምስፋሕ እናሰርሐት ከምዝኾነት እውን ኣፍሊጦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም