እቲ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ንዕቤት ዓውዲ ኢንዱስትሪ መሰረት ኣንቢሩ እዩ-ሚኒስትር መላኩ ኣለበል

ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት 4/2018(ኢዜኣ) እቲ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ንዕቤት ዓውዲ ኢንዱስትሪ መሰረት ከምዘንበረ ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ መበል 10ይ ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ተረኺቦም ኣብ ዝሃብዎ መብራህርሂ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተሳለጠ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ዝነኣድ ውፅኢት ምምፃእ ከምዘኽኣለ ምግላፆም ዝዝከር እዩ።
ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝበልዎ፤ እቲ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ንዝሓለፉ ዓመታት ኣብቲ ኢኮኖሚ ኣጋጢሞም ዝነበሩ መዋቕራዊ ስምብራታት ብምፅጋን ጭቡጥ ውፅኢት እናተረኸበሉ እዩ።
ብፍላይ ድማ ኣብ መፍረያይ ኢንዱስትሪ ዝነበሩ ማሕለኻታት ንምፍታሕን መፍረያይነት ንምዕባይን ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘበርከተ ኣረዲኦም።
ቀረብ ሸርፊ ወፃኢ ብምምሕያሹ ኣፍረይቲ ንፍርያቶም ዘድልይዎም እታዎታት ብቐሊሉ ንክረኽቡን ፍርያታት ኣታዊ ብፍርያታት ውሽጢ ሃገር ንክትክኡን ዕድል ከምዝፈጠረ እውን ኣመላኺቶም።
እቲ መመሓየሺ ሚዛን ንግዲ ንክጠዓዓም ኣብ ምግባር እውን ዝለዓለ እጃም እናበርከተ ከምዝርከብን እዚ ድማ ኣብቲ መፍረያይ ኢንዱስትሪ ልዑል ዕቤት እናመዝገበ ከምዝኾነን ተዛሪቦም።
ዝተማልአ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ሓደሽቲ ዋሕዝታት ኢንቨስትመንት ኣብ ምስሓብ እውን ጭቡጥ ለውጢ እናምፀአ እዩ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም