ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ብሕልፈት ዋና ፈፃሚ ስራሕን መስራትን ቴሌቪዥን ኢቢኤስ ኣይተ ኣማን ፍስሃ ፅዮን ዝተሰምዖም ሓዘን ገሊፆም - ኢዜአ ትግርኛ
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ብሕልፈት ዋና ፈፃሚ ስራሕን መስራትን ቴሌቪዥን ኢቢኤስ ኣይተ ኣማን ፍስሃ ፅዮን ዝተሰምዖም ሓዘን ገሊፆም
ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት 4/2018 (ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ብሕልፈት ዋና ፈፃሚ ስራሕን መስራትን ቴቴሌቪዥን ኢቢኤስ ኣይተ ኣማን ፍስሃ ፅዮን ዝተሰምዖም ሓዘን ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ሓዘን፤ ዋና ፈፃሚ ስራሕን መስራትን ቴሌቪዥን ኢቢኤስ ኣይተ ኣማን ፍስሃ ፅዮን ብምዕራፉ ሓዚነ ኢሎም።
ኣማን ንዕቤት ውልቀ ሚድያ ኢትዮጵያ ወሳኒ እጃም ካብ ዝነበሮም እቲ ሓደ እዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ትፅቢት ዝግበረሉ ኩሉ ገይሩ እዩ ክብሉ ሓቢሮም።
ፈጣሪ ነብሱ ብሰላም የዕርፋ ክብሉ እውን መልእኽቲ ሓዘኖም ኣመሓላሊፎም።