ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ዘዳለዎ መበል 6ይ ሃገራዊ ዓውደ መፅናዕቲ ሰላም ምክያድ ጀሚሩ - ኢዜአ ትግርኛ
ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ዘዳለዎ መበል 6ይ ሃገራዊ ዓውደ መፅናዕቲ ሰላም ምክያድ ጀሚሩ
ሆሳእና/ለካቲት 4/2018(ኢዜኣ) ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ዘዳለዎ መበል 6ይ ሃገራዊ ዓውደ መፅናዕቲ ሰላም ኣብ ከተማ ሆሳእና ይካየድ ኣሎ።
እቲ “ሃይማኖት ንሰላም፣ሓድነትን ሕብረትን”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ መፅናዕቲ፤ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ምስ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ክልል ማእኸላይ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ዘዳለውዎ እዩ።
ኣብቲ መድረኽ እውን፤ ትካላትን መራሕትን ሃይማኖት ኣብ ህንፀት ሰላም ዘለዎም እጃም፣ኣብ ኣተሓሕዛ ብዝሃነትን ህንፀት ሰላምን ዝተሰርሑ ስራሕቲ ፀብፃብ ቀሪቡ ከምዝዝተየሉን ቀፀሊ ኣንፈት ከምዝቐመጠሉን ተገሊፁ።
ኣብቲ መድረኽ፤ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ማእኸላይ ኢትዮጵያ እንዳሻው ጣሰው(ዶ/ር)፣ላዕለዋይ ፀሓፊ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ቀሲስ ታጋይ ታደለ፣ተወከልቲ ሚኒስቴር ሰላምን ላዕለዎት ኣመራርሓ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖትን ከምኡ እውን ኣቦታት ሃይማኖትን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።