ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ እዚ በጀት ዓመት 4 ነጥቢ 4 ቢሊዮን ዶላር ኣታዊ ተረኺቡ-ግሩፕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት 3/2018(ኢዜኣ) ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ እዚ በጀት ዓመት 4 ነጥቢ 4 ቢሊዮን ዶላር ኣታዊ ከምዝረኸበ ግሩፕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ዋና ፈፃሚ ስራሕ ግሩፕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣይተ መስፍን ጣሰው፤ ኣፈፃፅማ ስራሕቲ ፈላሞት 6 ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2018 ኣመልኪቶም መግለፂ ሂቦም።
ኣብ መግለፂኦም እውን፤ ኣድማስ በረራ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንምስፋሕ ኣብ ኣብ ሰለስተ ከተማታት ማለት እውን ፖርቹጋል ፖርቶ፣ ቬትናም ሃኖይን ሕቡራት ዓረብ ኤምሬትስ ኣቡዳቢን ዓለም ለኸ መባፅሒኡ ከምዝኸፈተ ሓቢሮም።
ስለዝኾነ ድማ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝኸፈቶም ሓደሽቲ ዓለም ለኸ መባፅሕታት ሓዊሱ ልዕሊ 145 ምብፃሕ ከምዝተኽኣለ ተዛሪቦም።
ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣገልግሎታት በረራ ንምስፋሕ ብዝተሳለጡ ስራሕቲ እውን መዕርፎ ነፈርቲ ያቤሎ ተመሪቑ ንኣገልግሎት ብምብቃዕ መባፅሕታቱ ናብ 23 ከዕቢ ክኢሉ እዩ ኢሎም።
ኣብ ፍርቂ ዓመት እዚ በጀት ዓመት ተወሰኽቲ 7 ኣውሮፕላናት ብምምፃእ በዝሒ ኣውሮፕላናት እቲ መንገዲ ኣየር 147 ምብፃሕ ከምዝተኽኣለ እውን ኣረዲኦም።
ኣብ ስራሕ ምጉዕዓዝ መንገደኛታት እውን ኣብ ውሽጢ 6 ኣዋርሕ 10 ነጥቢ 64 ሚልዮን ሰባት ብምጉዕዓዝ ዓቕሚ ኣታዊኡ ምምሕያሽ ዘኽኣለ ዕዉት ስራሕ ከምዘሳለጠ ኣብራህሪሆም።
ስለዝኾነ ድማ ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ እዚ በጀት ዓመት 4 ነጥቢ 4 ቢሊዮን ዶላር ኣታዊ ብምርካብ ብትልሚ ካብ ዝተትሓዘ 2 ሚኢታዊ ዕቤት ምምዝጋብ ከምዝተኽኣለ ተዛሪቦም።
ኣፈፃፅማ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ እዚ በጀት ዓመት ምስ ናይ ዝሓለፈ ተመሳሳሊ ወቕቲ እንትነፃፀር ድማ 14 ሚኢታዊ ወሰኽ ኣለዎ ኢሎም።
ቅድሚ ሓደ ወርሒ እምነ ኩርናዕ ዝተቐመጠሉ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ እውን ህንፀቱ ብዕሊ ከምዝጀመረ ሓቢሮም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም