ሃገራት ኣፍሪካ ቅልውላው ዝፃወራሉ ማእኸል ፋይናንስ ክዝርግሓ ይግባእ-ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ እዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ሃገራት ኣፍሪካ ቅልውላው ዝፃወራሉ ማእኸል ፋይናንስ ክዝርግሓ ይግባእ-ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ እዮብ ተካልኝ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት 3/2018(ኢዜኣ) ሃገራት ኣፍሪካ ቅልውላው ዝፃወራሉን ተቓላዕነት ዝቕንሳሉን ዘላቒ ማእኸል ቀረብ ፋይናንስ ንክፈጥራ ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ እዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ኢኮኖሚ ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ብዝምልከት ዝተዳለወ ዓለም ለኸ ኮንፈረንስ ኣብ ሳዑዲ ዓረቢያ ከተማ ኣሉላ ተኻይዱ።
ኣብቲ “ምጥንኻር ማእኸል ደገፍ ፋይናንስ ዓለም፤ ሃገራት ካብ ቅልውላው ዝድሕናሉ ቅልጡፍን ተኣምንን ፋይናንስ ምቕራብ”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝተዳለወ ኮንፈረንስ፤ ማኔጂንግ ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ ክሪስታሊና ጆርጂዬቫ፣ማኔጂንግ ዳይሬክተር ባንኪ ዓለም አና ቢርድ ከምኡ እውን ገዛእቲ ማእኸላይ ባንክታት ኢትዮጵያ፣ ሳዑዲ ዓረቢያ፣ኣርሜኒያ፣ግብፂ፣ ፓኪስታን፣ኳታርን ዝተፈላለያ ሃገራትን ተረኺቦም።
ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ እዮብ ተካልኝ (ዶ/ር)፤ ሃገራት ኣፍሪካ ብሴፍቲኔት ፋይናንስ ዓለም ዝረኽብኦ ቀረብ ፋይናንስ ዝተገደበ ከምዝኾነን ብምኽንያት እዚ እውን ሃገራት ኣብ ናይ ባዕለን ውህላልን ደገፍ ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብን ጥራሕ ንክግደባ ከምዝተገበረን ሓቢሮም።
ደገፍ ወጻኢ እናቐነሰ ከምዝመፀ ብምግላፅ፤ ሃገራት ኣፍሪካ ናይ ባዕለን ዞባዊ መዋቕር ፋይናንስ ብምፍጣርን ምስ ማእኸል ፋይናንስ ዓለም ብምትእስሳርን ተቓላዕነት ብሓባር ንምቕናስ ክሰርሓ ከምዘለወን ኣረዲኦም።
ብተወሳኺ እውን እዋናዊ ሓቅታት ዓለም ብምርዳእ ብሓዱሽ መልክዕ ንዝተመሓየሸ ስርዓት ኮታ ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ ድጋፎም ገሊፆም።
ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ ኢትዮጵያ ዘለዋ ጥንካረ ኢኮኖምን ተግባራዊ ዝግበሩ ዘለዉ መዋቕራዊ ሪፎርማትን ኣብ ግምት ብምእታው ኮታ ፋይናንስ ንክውስኽ ፃውዒት ምቕራቦም ሚኒስቴር ገንዘብ ንኢዜኣ ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ የመላኽት።