ዓወት ዓውዲ መፍረያይ ኢንዱስትሪ ዓለም ለኸ ተወዳዳሪነት ብምዕባይ ኣብ ሚዛን ንግዲ ልዑል ውፅኢት ተረኺብሉ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ዓወት ዓውዲ መፍረያይ ኢንዱስትሪ ዓለም ለኸ ተወዳዳሪነት ብምዕባይ ኣብ ሚዛን ንግዲ ልዑል ውፅኢት ተረኺብሉ እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት 2/2018 (ኢዜኣ) ዓወት ዓውዲ መፍረያይ ኢንዱስትሪ ዓለም ለኸ ተወዳዳሪነት ብምዕባይ ኣብ ሚዛን ንግዲ ልዑል ውፅኢት ከምዝተረኸበሉ ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ 6 ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2018 ካብ ኣባላት ቤት ምኽሪ ንዝተልዓልሎም ሕቶታት ኣብ ዝሃብዎ መብራህርህን ምላሽን፤ ቅድሚ 3 ዓመታት ዝተጀመረ ጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ቅድሚ ምጅማሩ ዓቕሚ ምፍራይ ኢንዱስትሪታት ካብ 48 ሚኢታዊ ዘይበልፅ ከምዝነበረን ኣብዚ ሕዚ እዋን ግና መፍረያይነት ዓውዲ ኢንዱስትሪ ንምምሕያሽ ብዝተሳለጡ ስራሕቲ 66 ነጥቢ 3 ሚኢታዊ ከምዝበፅሐን ምግላፆም ዝዝከር እዩ።
ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ኣብዚ በጀት ዓመት ኣብ ውሽጢ 6 ኣዋርሕ ኣብ ዓውዲ ኢንዱስትሪ ካብ ዝተትሓዙ ትልምታት 93 ሚኢታዊ ምዕዋት ተኻኢሉ እዩ።
ዓወት ኣፈፃፅማ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2018 እውን ሓፈሻዊ ትልሚ እቲ በጀት ዓመት ብዝለዓለ ፅሬት ምዕዋት ከምዝከኣል ዘመላኸተ እዩ ኢሎም።
ብሓፈሻ ኣብ ንግዲ ወፃኢ፣ተካኢ ፍርያት፣ፈጠራ ዕድል ስራሕን ስግግር ማእኸለዎት ኢንተርፕራይዛትን ዝለዓለ ዓወት ምምዝጋብ ከምዝተኽኣለ ኣረዲኦም።
ጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ እውን ብፖሊሲ፣ሕግን ስትራቴጂን ስምብራታት ዓውዲ ኢንዱስትሪ ብምፅጋን እቲ ዓውዲ ኣብ ምንስርራእ ልዑል ኣስተዋፅኦ እናበርከተ እዩ ዝርከብ ኢሎም።
ስለዝኾነ ድማ ኣብ ውሽጢ 3 ዓመታት ምውዳድ ትካላትን ተዋሳእቲ እቲ ዓውድን ብምጥንኻር ዓቕሚ መፍረያይነት ዓውዲ መፍረያይ ኢንዱስትሪ 66 ነጥቢ 3 ሚኢታዊ ዕቤት ንክምዝገብ ከምዘኽኣለ ተዛሪቦም።
ኣብ ዓውዲ መፍረያይ ኢንዱስትሪ ዝተፈጠረ ዓቕሚ ምንስርራእ ፅሬትን ዓለም ለኸ ተወዳዳሪነት ንግድን ብምዕባይ ኣብ ዕቤት ሃገርን ሚዛን ንግድን ርኡይ ኣስተዋፅኦ እናበርከተ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።