ኢትዮጵያ ብልምዓት ኢኮኖሚ ብዝሃ ዓውዲ ታሪኻዊ ዓወት እናመዝገበት እያ

ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት 2/2018(ኢዜኣ) ብዝሃ ዓውዲ ልምዓት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ተሳትፎ ዓውዲ ውልቀ ብምጥንኻር ታሪኻዊ ዓወት እናመዝገበ ከምዝርከብ ኣምባሳደር ብራዚል ኣብ ኢትዮጵያ ጃንዲር ፌሬራ ዶስ ሳንቶስ ገሊፆም።
ኣምባሳደር ጃንዲር ፌሬራ ዶስ ሳንቶስ ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ብቕልጡፍ ዓወት ዝተዓጀበ ታሪኻዊ ዕቤት ኢኮኖሚ እናመዝገበት እያ።
ንኣንፈት ብዝሃ ዓውዲ ልምዓት ኢኮኖሚ ትኹረት ብምሃብ እቲ ስርዓት ኢኮኖሚ ክፍቲ ምግባራ እውን ዓውዲ ውልቀ ኣብ ንግድን ኢንቨስትመንትን ንዘለዎ ተሳትፎ እናጠናኸረ እዩ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ኣባል ትካል ንግዲ ዓለም ንምዃን ከምዝተቓረበት ብምግላፅ፤ ኣብ ቅልጡፍ ዕቤት ኢኮኖሚ ምስ ትርከብ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ብምስራሕና ኩርዓት ይስመዓና ክብሉ እውን ተዛሪቦም።
ብተወሳኺ እውን ማእኸል ዲፕሎማሲ ኣፍሪካ ኣብ ዝኾነት ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሓፂር እዋን ዝተመዝገቡ ዝነኣዱ ዓወታት ልምዓት እታ ከተማ ዘበናዊ ምስሊ ንክህልዋ ከምዘኽኣልዋ ገሊፆም።
ኢትዮጵያ መእተዊት በሪ ዲፕሎማሲ ዓለም እያ ዝበሉ እቶም ኣምባሳደር፤ ኣብ ቀፃሊ እውን ምትሕብባር ንግድን ፖለቲካን ኢትዮ-ብራዚል ንምጥንኻር ከምዝስራሕ ኣረዲኦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም