ኢትዮጵያ ዝጀመረቶ ኩለ መዳያዊ ጉዕዞ ልምዓት ንምዕዋት ሓበሬታታት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ብኣግባቡ ኣብ ስራሕ ምውዓል ይግባእ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ዝጀመረቶ ኩለ መዳያዊ ጉዕዞ ልምዓት ንምዕዋት ሓበሬታታት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ብኣግባቡ ኣብ ስራሕ ምውዓል ይግባእ
ኣዳማ/ለካቲት 2/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ዝጀመረቶ ኩለ መዳያዊ ጉዕዞ ልምዓት ንምዕዋት ሓበሬታታት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ብኣግባቡ ኣብ ስራሕ ምውዓል ከምዝግባእ ሚኒስቴር ማይን ኢነርጅን ገሊፁ።
ኢንስቲትዩት ሚቲዎሮሎጂ ኢትዮጵያ መርሃ ግብሪ ዕላዊ መግበሪ ግምገማ ትንበያ ኩነታት ኣየር እዋን ሓጋይን ትንበያ እዋን ፅድያን ኣብ ኣዳማ የካይድ ኣሎ።
ኣማኻሪ ሚኒስትር ማይን ኢነርጅን ሞቱማ መቃሳ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ እቲ ኢንስቲትዩት ቅልጣፈን ተኣማንነትን ሓበሬታታት ሚቲዎሮሎጂ ብምዕባይ ኩለ መዳያዊ ልምዓት ንምዕዋት ኣብ ዝግበር ፃዕሪ እጃሙ እናተዋፅአ እዩ።
እቶም ሓበሬታታት ሚቲዎሮሎጂ ንዓውድታት ግብርና፣ማይን ኢነርጅን፣ትራንስፖርት፣ሓለዋ ከባብን ኣመራርሓ ሓደጋን፣ኢንሹራንስን ኢንዱስትሪታትን ብሳይንሳዊ መንገድታት ተንቲኖም ምቕራቦም እውን ኣረዲኦም።
ኢትዮጵያ ዝጀመረቶ ኩለ መዳያዊ ጉዕዞ ልምዓት ንምዕዋት ሓበሬታታት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ብኣግባቡ ኣብ ስራሕ ምውዓል ከምዝግባእ እውን ተዛሪቦም።
ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ሚቲዎሮሎጂ ኢትዮጵያ ፈጠነ ተሾመ ብግደኦም፤ እቲ ኢንስቲትዩት ምስ ኩነታት ኣየር ዝተኣሳሰሩ ሓበሬታታት በቢእዋኑ ንተጠቀምቲ እናቕረበ እዩ ዝርከብ ኢሎም።
ኣገልግሎታት ትንበያታትን ቅድመ መጠንቀቕታን ኩነታትን ለውጥን ከባብያዊ ኣየር ሓጋይ፣ፅድያ፣ክረምቲ ንማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ምንቅስቓሳት ብምውዓል ውፅኢት እናተረኸበሎም ከምዝኾነ ገሊፆም።
እቲ ሕብረተሰብ እውን በቲ ኢንስቲትዩት ዝወሃቦ ሓበሬታ ትንበያን ቅድመ መጠንቀቕታን ብኣግባቡ ንክከታተልን ንክጥቀምን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።