እቲ ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዳግማይ ንከንሰራርእ ገይሩ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት 2/2018(ኢዜኣ) እቲ ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዳግማይ ንከንሰራርእ ቁልፊ እጃም ከምዘበርከተ ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ እዮብ ተካልኝ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ኢኮኖሚ ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ብዝምልከት ዝተዳለወ ዓለም ለኸ ኮንፈረንስ ኣብ ሳዑዲ ዓረቢያ ከተማ ኣሉላ ይካየድ ኣሎ።
እቲ ኮንፈረንስ፤ ብምትሕብባር ሚኒስቴር ፋይናንስ ሳዑዲ ዓረቢያን ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ(IMF)ን ዝተዳለወ እዩ።



ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ እዮብ ተካልኝ(ዶ/ር) ኣብቲ ኮንፈረንስ፤ ሪፎርማት ማክሮ ኢኮኖሚ ንዘላቒ ዕቤት ዘለዎም ቁልፊ እጃም ብፍላይ ድማ ናይ ቀረባ እዋን ተሞኩሮታት ኢትዮጵያ ብምግላፅ ሓሳቦም ኣካፊሎም።
ኢትዮጵያ ቅድሚ ለበዳ ኮቪድ-19 ካብ ዝነበራ ዕቤት ዝበለፀ ዕቤት እናመዝገበት ከምዝኾነትን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2025/6 በዓል ክልተ ኣሃዝ ዕቤት ከምተመዝግብ ትፅቢት ከምዝግበርን እውን ሓቢሮም።
ኣብቲ ኮንፈረንስ፤ ሚኒስትራት ፋይናንስ፣ገዛእቲ ማእኸላይ ባንክታትን ኣብ መንግሥትን ዓውዲ ውልቀን ዝርከቡ መራሕትን ተረኺቦም።
ተሳተፍቲ እቲ ኮንፈረንስ ኣብ ቀፃሊ ዕቤት ኢኮኖሚ፣ኩነታት ዕዳጋን ዓለም ለኸ ምትእስሳርን ኣብ ምዐባይ ዝርከባ ሃገራት እናዘተዩ እዮም ዝርከቡ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም