ሪዞርት ሎጎ ሃይቅ መርኣያ ኢትዮጵያ ናይ ምግላፅ ስራሕ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) 

ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 30/2018(ኢዜኣ) ሪዞርት ሎጎ ሃይቅ ኣካል ስራሕ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያ ዘለዉ ፀጋታት ምግላፅ ከምዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም። 
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ብጅማሮ ‘ገበታ ለትውልድ’ዝተሃነፀን ኣብ ልዕሊ 13.3 ሄክታር መሬት ዝዓረፈን ሪዞርት ሎጎ ሃይቅ ሎሚ መሪቖም።
‘ገበታ ለትውልድ’ንወለዶ ዝወሃብ ኣሰር ከምዝኾነ እውን እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ተዛሪቦም።



ሪዞርት ሎጎ ሃይቅ ወለዶ ብልፅግና እንትዓትር እዚ ሓወልቲ ከም መበገሲ ነጥቢ ዝዝክሮ ስራሕ እዩ ኢሎም።
‘ገበታ ለትውልድ’ ዝተብሃሉን ዝተመረፁ ስፍራታትን በቢ ከባቢኡ ዘለዉ ታሪኻትን ፀጋታትን ዝገለፁ ምዃኖም እውን ሓቢሮም።
ጎርጎራ ኣብ ከባቢ ሃይቅ ጣና ዘለዉ ኣብያተ ክርስትያናት፣ገዳማትን መፅሓፍትን ዘለውዎ ከባቢ ገሊፁ ንምርኣይ ወሳኒ እጃም ከምዘበርከተ ገሊፆም።
እቲ ሪዞርት ኣብ ሃይቅ ዘሎ ዘደምም ታሪኽ ምግላፅ ዘኽእል ስራሕ እዩ ኢሎም።
ህዝቢ ወሎ ከባቢኡ ንከልምዕን ክቕይርን ተወሳኺ ስራሕቲ ምስላጥ ከምዝግባእ እውን ሓቢሮም።
እቲ ማሕበረሰብ ንዝመፅእ ወለዶ ዝለምዐ፣ዝፀበቐን በዓል ፀጋ ከባብን ንምትሕልላፍ ብትግሃት ክሰርሕ ከምዝግባእ ብምሕባር፤ መንግሥቲ ኣብዚ መዳይ ኣድላይ ደገፍ ከምዝገብር ኣረጋጊፆም።
ኣብ ሃይቅ ዝተሳለጠ ዝነኣድ ስራሕ ኣብቲ ከባቢ ንዝሳለጡ ቀፀልቲ ስራሕቲ ስንቂ ብምዃን መፃኢ ወለዶ ሃይቅ ዝተቐየረሉ ኩነታት ዝዝክረሉ ዘበን ክመፅእ እዩ ኢሎም።
ብኣወንታዊ ነገር ንምዝካር ከም ገዳም ሃይቅ እስጢፋኖስ ዝበሉ ንሃገር ጠቓሚ ዝኾኑ ሰናይ ስራሕቲ ምስላጥ ከምዝግባእ ተዛሪቦም።



ኢትዮጵያ ከም ወሎዬ እያ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ብፍቕሪ ንዝመፀ ብፍቕሪ ዘተኣናግድ ማሕበረሰብ ከምዝኾነ ፀሪሖም።
ኣብ ሪዞርት ሎጎ ሃይቅ ዝተርኣየ ሰናይ ጅማሮ ንምስፋሕ ብሓባር ምስራሕ ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም።
ብልፅግና ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር እንተግህን እንፅዕርን፣እንጎዓዘሉ መንገዲ ኣፅሪና ፈሊና እንፈልጥ ነዚ ድማ እንተግህ ክንኸውን ኣለና ኢሎም እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም