ኮሚሽን ኢንቨሰትመንት ኢትዮጵያ ኣብ ዞባ ምዕራብ ሸዋ ዘህነፆም ዘበናዊ ሞዴል መንበሪ ኣባይቲ ገጠር ንሓረስቶት ኣረኪቡ

ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 30/2018(ኢዜኣ) ኮሚሽን ኢንቨሰትመንት ኢትዮጵያ ብመርሃ ግብሪ ሰናይ ፍቓድ ክረምቲ ንሰብ ሃፍቲ ብምትሕብባር ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ሸዋ ዘህነፆም ዘበናዊ ሞዴል መንበሪ ኣባይቲ ገጠር ንሓረስቶት ኣረኪቡ።
ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓን ርኽክብን፤ ምክትትል ፕሬዚዳንት ክልል ኦሚያ ኣይተ ኣወሉ ኣብዲ፣ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ሚኒስትር ዲኤታ ክትትል ጉዳያት ካቢኔን ሴክተራትን ኣክሊሉ ታደሰ (ዶ/ር)፣ኮሚሽነር ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ዘለቀ ተመስገን (ዶ/ር)፣ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ምዕራብ ሸዋ ኣይተ ዲዳ ጉደታን ነበርቲ እቲ ከባብን ተረኺቦም።
እቶም ኣባይቲ ብርኪ መነባብሮ እቲ ሓረስታይን ኣርባሕን ንምምሕያሽ ዝገብሮ ፃዕሪ ንምሕጋዝ ብፍሉይ ትኹረት ዝተሃነፁ እዮም።



ዘበናዊ መፈልፈሊ ሓይሊ ፀሓይ ዝተገጠመሎም፣ምግቢ ንምብሳል ባዮጋዝ ዝጥቀሙ፣ሙሉእ ናውቲ፣ዘበናዊ ዓይነ ምድርታትን ዝተማልአ ሰርቪስ ዘለዎም ገዛውትን ዘለውዎም እዮም።
ሜላ መነባብሮ እቲ ሓረስታይ ኣብ ግምት ብምእታው ዝተፈለየን ፅሬቱ ዝሓለወን ደንበ እንሰሳት እውን ዘማልኡ እዮም።
እቲ ፕሮጀክት ህንፀት ኣባይቲ ኣካል ልምዓት ኮሪደር እንትኸውን መንግሥቲ ተግባራዊ ንዝገብሮ ዘሎ መነባብሮ ገጠር ናይ ምዕባይ ራኢ ብተግባር ዘርኣየ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም