ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ 1ይ ሓፈሻዊ ጉባኤ 1ይ ዓመቱ ምክያድ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 30/2018(ኢዜኣ) ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ 1ይ ሓፈሻዊ ጉባኤ 1ይ ዓመቱ ሎሚ ምክያድ ጀሚሩ።
ኣብቲ ጉባኤ፤ ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ሼህ ሀጂ ኢብራሂም ቱፋ፣ፕሬዚዳንትታት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ክልላት፣ኣባላትን ፈፀምቲ ስራሕን ሓፈሻዊ ጉባኤ እቲ ቤት ምኽር፣ተፈለጥቲ ዑለማትን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።



ኣብቲ መድረኽ፤ ርክክብ ሰነድ ቦርድ ፈፃሚ መረፃ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ 2017 ተሳሊጡ።
ብተወሳኺ እውን ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ 6 ኣዋርሕ ቀሪቡ ከምዝዝተየሉን መረፃ መማልኢ ፈፃሚ ስራሕ ከምዝካየድን ትፅቢት ይግበር።
ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ሼህ ሀጂ ኢብራሂም ቱፋ ኣብ መኽፈቲ መደርኦም፤ እቲ ጉባኤ ኣብ ፅባሕ መላእ ሙስሊም ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ‘መረፃና ኣብ መስጂድና’ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ወኪላቱ ዝመረፀሉ ብምክያዱ ታሪኻዊ ከምዝገብሮ ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም