ሪዞርት ሎጎ ሃይቅ ኢትዮጵያ ካብ ኣፍሪካ ቀዳመይቲ መባፅሒት ቱሪዝም ንምዃን ዘለዋ ቆራፅነትን ተግባራዊ ምንቅስቓስን ዘርኢ ቀዋሚ ምስክር እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 30/2018(ኢዜኣ) ሪዞርት ሎጎ ሃይቅ ኢትዮጵያ ካብ ኣፍሪካ ቀዳመይቲ መባፅሒት ቱሪዝም ንምዃን ዘለዋ ቆራፅነትን ተግባራዊ ምንቅስቓስን ዘርኢ ቀዋሚ ምስክር ከምዝኾነ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ገሊፁ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ብጅማሮ ‘ገበታ ለትውልድ’ ዝተሃነፀን ኣብ ልዕሊ 13.3 ሄክታር መሬት ዝዓረፈን ሪዞርት ሎጎ ሃይቅ ሎሚ መዓልቲ መሪቖም።



እቲ ሪዞርት ዘበናውን ዓለም ለኻውን ደረጅኦም ዝሓለዉ ኣብያተ ብልዒ፣መሐመሲታት፣ ኣስፋልቲ መንገድታት ውሽጣ ውሽጥን መዕረፊ ሄሊኮፕተርን ሓዊሱ ኩሉ ዓይነት ኣማሊኡ ዝሓዘ ከምዝኾነ እቲ ቤት ፅሕፈት ሓቢሩ።
ብተወሳኺ እውን ብዝተፈላለዩ ዞባታት ፍራ ምረን ንዓይኒ ብዝስሕቡ ሓምለዋይ ስፍራታትን ዝተዓጀበ ስለዝኾነ ንጎብነይቲ ዘይርሳዕ ተዘክሮ ዝህብ ኣዝዩ ሰሓቢ ቦታ እዩ ኢሉ እቲ ቤት ፅሕፈት።
እዚ ሪዞርት ካብ ዝሓዞም ዘበናዊ መገልገልታት ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ካብ ኣፍሪካ ቀዳመይቲ መባፅሒት ቱሪዝም ንምዃን ዘለዋ ቆራፅነትን ተግባራዊ ምንቅስቓስን ዘርኢ ቀዋሚ ምስክር ከምዝኾነ ኣረዲኡ።
እቲ ልምዓት ቱሪዝም ምስ ሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮ፣ዘላቕነትን ሓቛፍነትን ብምውዳድ እቲ ሪዞርት ህዝቢ ወሎ ዘለዎ ዕሙቕ ባህላውን ተፈጥሮኣውን ፀጋ ንማሕበረሰብ ዓለም ዘላልየሉ ሰፊሕ መኣዲ ኮይኑ ከምዘገልግል ገሊፁ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም