ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ንሪዞርት ሎጎ ሃይቅ መሪቖም

ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 30/2018 (ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ሪዞርት ሎጎ ሃይቅ ሎሚ መዓልቲ ብዕሊ መሪቖም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዝበልዎ፤ ሎሚ መዓልቲ ሪዞርት ሎጎ ሃይቅ ብዕሊ ተመሪቑ።
እዚ ሪዞርት ተፈጥሮኣዊ ፅባቐ ወሎ ምስ ዘበናዊ ከምኡ እውን ዓለም ለኸ ደረጅኡ ዝሓለወ መሰረተ ልምዓት ኣጣሚሩ ዝሓዘ ዝነኣድ ፕሮጀክት እዩ ኢሎም።



እቲ ሪዞርት ካብቲ ዝረአ ምስሊ ብተወሳኺ ዕቤት ኢኮኖሚ እቲ ከባብን እታ ሃገርን ኣብ ምቅልጣፍ ዓብይ መንቀሳቐሲ ፕሮጀክት ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ካብ ጎርጎራ ቀፂሉ ኣብ ክልል ኣምሓራ ካልኣይ ፕሮጀክት ጅማሮ ‘ገበታ’ ስለዝኾነ ቀጥተኛን ቀጥተኛ ዘይኮኑን ዕድላት ስራሕ ብምፍጣር ኣብ ግብርና፣ትራንስፖርት፣ቱሪዝምን ካልኦት ዓውድታት ኣገልግሎትን ልዑል ምንቕቓሕ ዝፈጥር ከምዝኾነ እውን ኣረዲኦም።
እዚ ድማ ንኣፍረይቲ እቲ ከባቢ፣ሰብ ሞያ ኢደ ጥበብን ፈጠርቲ ስራሕን ሓደሽቲ ዕድላት ዕዳጋ ብምምችቻው ንቱሪዝም መሪሕ ዕቤትን ዘላቒ ውሕስና መነባብሮን ዓብይ መሰረት ዘንብር እዩ ኢሎም።



ብመንፈስ መደመር ዝተመርሐ እዚ ፕሮጀክት፤ መንግሥትን ዓውዲ ውልቀን ብሓደ ገበታ ብምስያም ፖሊሲ ናብ ተግባር፣ኢንቨስትመንት ድማ ናብ ዝጭበጥ ውፅኢት ከምዝቐየረ ገሊፆም።
እዚ ብምትሕብባር ዝተሃነፀ ሪዞርት፤ ንምሕዝነት መንግስትን ዓውዲ ውልቀን(PPP)፣ቀፃልነት ፖሊሲን ንናይ ነዊሕ እዋን ዕቤትን መሰረት ዘንበረ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ካብ ዝኾነ ነገር ብዝበለፀ ድማ ሮዞርት ሎጎ ሃይቅ፤ ቅኑዕ ዝኾነ ህዝቢ ወሎ ሰሓብቲ ሓድግታቱ፣ ባህሉ፣ ፀጋታቱን ዝነኣድ ጋሻ ተቐባላይነቱን ንዓለም ንከካፍል ዝቐረበ ዓብይ እንግዶት እዩ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም