ብምሕዝነት መንግሥትን ውልቀን ከምኡ እውን ብበጀት እቲ ምምሕዳር ከተማ ንምህናፅ ካብ ዝተተለሙ 100 ሽሕ ኣባይቲ እቶም 97 ሽሕ ኣባይቲ ናብ ከይዲ ህንፀት ኣትዮም እዮም-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 29/2018 (ኢዜኣ) ብምሕዝነት መንግሥትን ውልቀን ከምኡ እውን ብበጀት እቲ ምምሕዳር ከተማ ንምህናፅ ካብ ዝተተለሙ 100 ሽሕ ኣባይቲ እቶም 97 ሽሕ ኣባይቲ ናብ ከይዲ ህንፀት ከምዝኣተዉ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።
መበል 2ይ ስሩዕ ኣኼባ 5ይ ዓመት ዘበነ ስራሕ ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።



ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣፈፃፅማ ስራሕ ትልሚ 6 ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2018 ንቤት ምኽሪ እታ ከተማ ቕሪበን።
እተን ከንቲባ ኣብዚ እዋን፤ ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ብበጀት መንግሥትን ገበርቲ ሰናይን 12 ሽሕን 257 መንበሪ ኣባይትን ኣባይቲ ንግድን ንተልዓልቲ ልምዓትን ሰብ ውዕለታ ሃገርን ከምዝተውሃቡ ሓቢረን።
ኣብ ቀረብ ልምዓት ኣባይቲ ብዝተሰርሐ ስራሕ ብበጀት መንግሥትን ገበርቲ ሰናይን 11 ሽሕን 550 መንበሪ ኣባይትን 707 ኣባይቲ ንግድን ናብ ተጠቀምቲ ከምዝተመሓላለፉ ወሲኸን ገሊፀን።
ድሕሪ እቲ ለውጢ ብወለንታውያን 45 ሽሕን 566 ኣባይቲ ከምዝተሃነፁ ብምሕባር፤ ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ጥራ 4 ሽሕን 990 ኣባይቲ ተሃኒፆም ንኣገልግሎት ምብቅዖም እውን ተዛሪበን።
ብምሕዝነት መንግሥትን ውልቀን ከምኡ እውን ብበጀት እቲ ምምሕዳር ከተማ ንምህናፅ ካብ ዝተተለሙ 100 ሽሕ ኣባይቲ እቶም 97 ሽሕ ኣባይቲ ናብ ከይዲ ህንፀት ከምዝኣተዉ ብምግላፅ፤ ኣብ ዝተትሓዘሎም ገደብ ግዜ ንምዝዛም ርብርብ እናተገበረ እዩ ኢለን።
ብውልቀን ሪልስቴትን 13 ሽሕን 517 ኣባይቲ ዝተሃነፁ እንትኸውን ብኮሪደር ዝለምዑ 810 ኣባይቲ ንግዲ ብምልማዕ ብልምዓት ንዝተልዓሉ ታሕተዎት ነጋዶ ንምትሕልላፍ ቅድመ ምድላው ከምዝተገበረ እውን ኣረዲአን። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም