ቁፅሪ ተጠቀምቲ ኣገልግሎት ሞባይል 97 ሚልዮን በፂሑ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 27/2018 (ኢዜኣ) ቁፅሪ ተጠቀምቲ ኣገልግሎት ሞባይል 97 ሚልዮን ከምዝበፅሐ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ኣብ መበል 10ይ ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ተረኺቦም ኣብ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ ትልሚ 6 ኣዋርሕ መንግሥቲ ካብ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ንዝቐረቡሎም ሕቶታት መብራህርን መልስን ምሃቦም ዝዝከር እዩ።
ኣብ መብራህሪህኦም እውን፤ ዓውዲ ዲጂታል ብፍላይ ድማ ተጠቃምነት ኣገልግሎት ሞባይል እናዓበየ ከምዝመፀ ሓቢሮም።
እቲ ለውጢ እንትመፅእ ቁፅሪ ተጠቀምቲ ኣገልግሎት ሞባይል 37 ሚልዮን ከምዝነበረ ብምዝኽኻር፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ግና ኣብ ኢትዮ ቴሌኮም 87 ሚልዮን ኣብ ሳፋሪኮም ድማ ልዕሊ 10 ሚልዮን ብሓፈሻ 97 ሚልዮን ተጠቀምቲ ኣገልግሎት ሞባይል ከምዘለዉ ኣረዲኦም።
እዚ ድማ ድሕሪ እቲ ለውጢ ብ60 ሚልዮን ከምዝዓበየ እዩ ዘርኢ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ይኹን እምበር እዚ እኹል ከምዘይኮነን ሕድ ሕድ ኢትዮጵያዊ ተጠቃሚ ሞባይል ንክኸውን ምስራሕ ከምዝግባእን ተዛሪቦም።
ኣብ ዓውዲ ፋይናንስ ኣብ ዝሓለፉ 3 ዓመታት ብሞባይል ዝውውር ገንዘብ ዝፍፅሙ ዜጋታት 58 ሚልዮን ከምዝበፅሑ እውን ኣብራህሪሆም።
ኣብ ዲጂታል ክፍሊት ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ዝተመዝገበ ውፅኢት ምስ ናይ ዝሓለፈ ተመሳሳሊ ወቕቲ እንትነፃፀር 60 ሚኢታዊ ከምዝወሰኸ ገሊጾም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም