ኢትዮጵያ ኣብ ሰብ ስራሕ ብልሒ ወይ ድማ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ሓዱሽ ምዕራፍ ታሪኽ እናኸፈተት እያ-ቀዳማይ ሚኒስትር አቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ኣብ ሰብ ስራሕ ብልሒ ወይ ድማ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ሓዱሽ ምዕራፍ ታሪኽ እናኸፈተት እያ-ቀዳማይ ሚኒስትር አቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 26/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣብ ሰብ ስራሕ ብልሒ ወይ ድማ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ሓዱሽ ምዕራፍ ታሪኽ እናኸፈተት ከምትርከብ ቀዳማይ ሚኒስትር አቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ተዛሪቦም።
መበል 6ይ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ መበል 10ይ ስሩዕ ኣኼባ ዘበነ ስራሕ 5ይ ዓመት ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ የሳልጥ ኣሎ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ ፈላማይ ፍርቂ ዓመት በጀት ዓመት 2018 መንግስቲ ፌዴራል ብዝምልከት ካብ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ንዝቐርቡሎም ሕቶታት ምላሽን መብራህርህን እናሃቡ እዮም ዝርከቡ።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዝሃብዎ መብራህርህን መልስን ከምዝበልዎ፤ ናይ ፅባሕ ዓለም ለኻዊ ውድድር ንምስዓር ናይ ሎሚ ድልዉነት ወሳኒ እዩ።
መንግሥቲ መናእሰይ ንዝለዓለ ዓወት ንምብቃዕ ብትኹረት እናሰርሐ እዩ ዝርከብ ኢሎም።
ካብ ሓሙሽተ ዓምድታት ዕቤት ቴክኖሎጂ እቲ ሓደ ምዃኑ ንወለዶ ዝተሰርሐ ዓብይ ኢንቨስትመንት ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ብፍላይ ድማ ኣብ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ (AI) ኢትዮጵያ ሓዱሽ ምዕራፍ ታሪኽ እናኸፈተት ከምዝኾነት ኣብራህሪሆም።
ብመሰረት እዚ ድማ ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ካልኣይ ዝኾነ ዓብይ ዩኒቨርሲቲ ሰብ ስራሕ ብልሒ(ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ) ንምህናፅ እናሰርሐት ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እዚ ዓብይ ላዕለዋይ ትካል ትምህርቲ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ከምዝጅመር ኣረዲኦም።