ሓምለዋይ ኣሰር፣ልምዓታት ተፋሰስን ወሰና ወሰን ሩባን ማይ ዝዓቖሩ መሬታት ኣብ ምሕላው ጭቡጥ ውፅኢት እናተረኸበሎም እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 25/2018 (ኢዜኣ) ሓምለዋይ ኣሰር፣ልምዓታት ተፋሰስን ወሰና ወሰን ሩባን ማይ ዝዓቖሩ መሬታት ኣብ ምሕላው ጭቡጥ ውፅኢት እናተረኸበሎም ከምዝኾነ በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢ ገሊፁ።
እቲ በዓል መዚ ዓለም ለኸ መዓልቲ ማይ ዝዓቖሩ መሬታት “ማይ ዝዓቖረ መሬትን ሃገር ቦቆል ፍልጠትን፤ ሓድጊ ባህልና ነኽብር”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ የኽብር ኣሎ።



ምክትል ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢ ፍሬነሽ መኩሪያ ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ ኢትዮጵያ ወናኒት ዝተፈላለዩ ማይ ዝዓቖሩ መሬታትን ብዝሃ ሂወትን እያ።
እዞም ተፈጥሮኣዊ ፀጋታት ተሓልዮም ናብ ወለዶ ንክሰጋገሩ እውን ሃገር ቦቆል ፍልጠትን ባህላዊ ስልትታት ሓለዋን ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎም ሓቢረን።
ማይ ዝዓቖሩ መሬታት ልዑል ረብሓ እናተረኸበሎም ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ዝተበከለ ማይ ብተፈጥሮኣዊ መንገዲ ምፅራይ፣ሓደጋ ውሕጅ ምክልኻልን ራሕሲ ሓመድ ምሕላውን ከምኡ እውን ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ምፅዋርን ከባብያዊ ሙቐት ምቕናስን ከም ኣብነት ፀሪሐን።
ኣብዞም ወሰንቲ ተፈጥሮኣዊ ሃፍትታት ዘጋጥሙ ፈተናታት ንምፍታሕ ዘበናዊ ሳይንሳዊ ፍልጠት ምስ ሃገር ቦቆል ጥበብ ኣዋዲድካ ተግባራዊ ምግባር ይግባእ ኢለን።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ብብርኪ ሃገር ተግባራዊ ዝግበሩ ዘለዉ ሓምለዋይ ኣሰርን ፕሮጀክትታት ልምዓት ወሰና ወሰን ሩባን ንድሕንነት ማይ ዝዓቖሩ መሬታት ልዑል ኣስተዋፅኦ እናበርከቱ ከምዝኾኑ እውን ተዛሪበን።
እቲ በዓል መዚ ምስ ክልላትን መዳርግቲ ኣካላትን ተዋዲዱ እናሰርሐ ከምዝርከብ ብምሕባር፤ እቲ ሓለዋ ናይ መንግሥቲ ጥራሕ ዘይኮነስ ሓባራዊ ሓላፍነት ሕብረተሰብ፣ትካላት ምርምርን ዓውዲ ውልቀን ከምዝኾነ ኣረዲአን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም