መለለዪ መንንት ፋይዳ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ተረባሕነት ደቂ ኣንስትዮ ንምርግጋፅ ወሳኒ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
መለለዪ መንንት ፋይዳ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ተረባሕነት ደቂ ኣንስትዮ ንምርግጋፅ ወሳኒ እዩ
ሰመራ/ጥሪ 23/2018(ኢዜኣ) ዲጂታል መለለዪ መንነት ፋይዳ ሓቛፊ ስለዝኾነ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ተረባሕነት ደቂ ኣንስትዮ ንምርግጋፅ ወሳኒ እጃም ከምዘለዎ ሚኒስቴር ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራውን ገሊፁ።
መርሃ ግብሪ ጎስጓስ ምዝገባ ዲጂታል መለለዪ መንነት ፋይዳ ኣብ ከተማ ሰመራ ተኻይዱ።
ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራውን ሂክማ ከይረዲን ኣብዚ መድረኽ ተረኺበን ከምዝበልኦ፤ ዲጂታል መለለዪ መንነት ፋይዳ ሓቛፊ ስለዝኾነ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ተረባሕነት ደቂ ኣንስትዮ ንምርግጋፅ ወሳኒ እጃም ኣለዎ።
ኣብዚ ዓመት 30 ሚልዮን ደቂ ኣንስትዮን 10 ሚልዮን ህፃናትን ወነንቲ እቲ መለለዪ መንነት ንምግባር ተተሊሙ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እቲ ትልሚ ንምዕዋት ብቆራፅነት ክስራሕ እዩ ኢለን።
ዲጂታል መለለዪ መንነት ፋይዳ ደቂ ኣንስትዮ ተረባሕቲ ዝኾናሉ፣መሰለን ምርግጋፅ ዝኽእላሉን ክብርን ረብሓን ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ምዕባይ ዘኽእልን ከምዝኾነ እውን ኣረዲአን።