እቲ ቦርድ ዘሳልጦም ዘሎ ምምሕያሻት ሕግን ኣሰራርሓን ንከይዲ 7ይ ሃገራዊ መረፃ ምችው ኩነታት ኣብ ምፍጣር ልዑል ብፅሒት ኣለዎም

ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 22/2018(ኢዜኣ) ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ዘሳልጦም ዘሎ ምምሕያሻት ሕግን ኣሰራርሓን ንዲሞክራሲያዊ ከይዲ 7ይ ሃገራዊ መረፃ ምችው ኩነታት ኣብ ምፍጣር ልዑል ብፅሒት ከምዘለዎም ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ውድባት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ገሊፁ።
መበል 7ይ ሃገራዊ መረፃ ልዕልና ሓሳብን ድሌት ህዝብን መሰረት ዝገበረ ንክኸውን ኣድላይ ቅድመ ምድላው ከምዝተገበረ እውን ሓቢሩ።
ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ መበል 7ይ ሃገራዊ መረፃ 24 ግንቦት 2018 ዓ/ም ንክካየድ ግዜ ሰሌዳ ምውፅኡ ዝፍለጥ እዩ።
ምዝገባ ሕፁያት ድማ ካብ 1 ጥሪ ክሳብ 1 ለካቲት 2018 ዓ/ም ከምኡ እውን ምዝገባ መረፅቲ ካብ 7 ለካቲት ክሳብ 7 መጋቢት 2018 ዓ/ም ክሳለጥ እዩ።
ኣካቢ ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ውድባት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ሰለሞን ኣየለ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ እቲ መረፃ ሰላማውን ዕዉትን ንክኸውን እቲ ቤት ምኽሪ ፍሉይ ትልሚ ኣውፂኡ ብትኹረት እናሰርሐ እዩ ኢሎም።
ምስ ሚኒስቴር ሰላም ብምትሕብባር ምስ ውድባት ፖለቲካ ሰፊሕ ዘተ ከምዝተገበረ ብምግላፅ፤ ነዚ ድማ ኣብ ቢሾፍቱ ዝተበፅሐ ቃል ኪዳን ሰላም ከም ዓብይ ዓወት ከምዝረአ ኣረዲኦም።
እቲ መረፃ ተኣማንን ዲሞክራሲያውን ንክኸውን መንግሥቲ ዝወስዶም ዘሎ ስጉምትታት ብምንኣድ፤ ብፍላይ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ዝፀደቐ መመሓየሺ ኣዋጅ መረፃ፣ምዝገባ ውድባትን ስነ ምግባር መረፃን ወሳኒ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ምምሕያሽ እቲ ኣዋጅ ፀገማት ብዘተ ምፍታሕ ከምዝከኣል ዘርኣየን ንነፃ መረፃ ምችው ኩነታት ዝፈጠረን ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።
መበል 7ይ ሃገራዊ መረፃ እታ ሃገር ኣብ ብሄራዊ ምኽክርን ፖለቲካዊ ምርግጋዕን ኣብ ዘላትሉ እዋን ምስላጡ ፍሉይ ትርጉም ኣለዎ ኢሎም።
ህንፀት ሰላምን ስርዓት ዲሞክራስን ዘይነፃፀሉ ከምዝኾኑ ብምሕባር፤ ኩሎም ውድባት ፖለቲካ ሕግን ስርዓትን ኣኽቢሮም ክንቀሳቐሱ ከምዘለዎም ኣብራህሪሆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም