ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዝነብሩ ዜጋታት ኢትዮጵያ ንዕዉትነት ምትእኽኻብ ኣጀንዳን ምፍላይ ተሳተፍትን ሃገራዊ ምኽክር ልዑል ኣስተዋፅኦ ኣበርኪቶም እዮም - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዝነብሩ ዜጋታት ኢትዮጵያ ንዕዉትነት ምትእኽኻብ ኣጀንዳን ምፍላይ ተሳተፍትን ሃገራዊ ምኽክር ልዑል ኣስተዋፅኦ ኣበርኪቶም እዮም
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 22/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ንዕዉትነት ምትእኽኻብ ኣጀንዳን ምፍላይ ተሳተፍትን ሃገራዊ ምኽክር ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘበርከቱ ኣገልግሎት ዲያስፖራ ኢትዮጵያ ገሊፁ።
ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ዲያስፖራ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ፍፁም ኣረጋ ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ዜጋታት ኣብ ልምዓት ሃገሮም ንቑሕ ተሳትፎ ብምግባር ኣብ ከይዲ እቲ ሃገራዊ ምኽክር ሃናፂ እጃም እናበርከቱ እዮም።
ንዕዉትነት ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ዝተኻየደ መድረኽ ምትእኽኻብ ኣጀንዳን ምፍላይ ተሳተፍትን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ኣባላት ማሕበረሰብ ዲያስፖራ ኣወንታዊ ኣስተዋፅኦ ከምዘበርከቱ እውን ሓቢሮም።
ኣብቶም መድረኻት እውን ኣብቲ ዋና ጉባኤ ሃገራዊ ምኽክር ዝቐርቡ ኣጀንዳታትን ተሳተፍትን ብምፍላይ ናብቲ ኮሚሽን ከምዘቕረቡ ተዛሪቦም።
ኣብ ዩናይትድ ኪንግደም በርኒንግሃም ምክትል ኣዶ መንበር ኮሚኒቲ ኢትዮጵያ ሄለን በፍቃዱ ብግደአን፤ ሃገራዊ ምኽክር ብኣጋጣሚ ታሪኽ ዝርከብ ወሳኒ ዕድል እዩ ኢለን።
ዝተፈላለያ ሃገራት እውን ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ዘጋጠመን ተቓርኖ ፖለቲካ ብሃገራዊ ምኽክር ዕልባት ብምሃብ ዕቤት ዘቀላጥፍ ጠንካራ ሃገረ መንግሥቲ ምህናፅ ከምዝኸኣላ ተዛሪበን።
ኣብ ዩናይትድ ኪንግደም ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ ምኽክር ምእካብ ኣጀንዳን ምፍላይ ተሳተፍትን ንሃገር ዝጠቕሙ ወሰንቲ ሓሳባት ከምዝተልዓሉ ብምግላፅ፤ ንህንፀት ጠንካራ ሃገረ መንግሥቲ ኢትዮጵያ ዝጠቕሙ ሓባት ብምልዓል ንቑሕ ተሳትፎ ምግባረን ገሊፀን።
እቲ ሃገራዊ ምኽክር እውን ዘይምርድዳኣት ኢትዮጵያውያን ብዝሰልጠነ መድረኽ ምኽክር መፍትሒ ብምሃብ ዳግማዊ ዓወት ዓድዋ ምድጋም ዝኽእልሉ ወሳኒ ዕድል ከምዝኾነ ኣብራህሪሀን።
ኣብ ቀፃሊ እውን ኢትዮጵያውያን ብናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ዝተረኸበ ዕድል ሃገራዊ ምኽክር ብኣግባቡ ብምጥቃም ንህንፀት ሓድነት ሃገርን ዘላቒ ሰላምን ብምትሕብባር ክሰርሑ ከምዝግባእ ሓቢረን።