ኩሎም ክፋላት ሕብረተሰብ ኣብቲ ሃገራዊ መረፃ ንቑሕ ተሳትፎ ንክህልዎም እናተሰርሐ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ኩሎም ክፋላት ሕብረተሰብ ኣብቲ ሃገራዊ መረፃ ንቑሕ ተሳትፎ ንክህልዎም እናተሰርሐ እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 22/2018 (ኢዜኣ) ኣብቲ መበል 7ይ ሃገራዊ መረፃ ኩሎም ክፋላት ሕብረተሰብ ኣብቲ ሃገራዊ መረፃ ንቑሕ ተሳትፎ ንክህልዎም ዘኽእል ስራሕ እናተሳለጠ ከምዝኾነ ዝተፈላለዩ ሲቪክ ማሕበራት ኣፍሊጦም።
ዋና መካየዲ ስራሕ ማሕበር ጉድኣት ኣካል ሰብ ሞያ ሕጊ ኢትዮጵያ ሙሴ ጥላሁን ከምዝበልዎ፤ ኣብ ከይዲ መረፃ ስርዓት ዲሞክራሲ ንምህናፅ ጉዱኣት ኣካል ሓዊሱ ተሳትፎ ኩሎም ክፋላት ሕብረተሰብ ወሳኒ እዩ።
ብመሰረት እዚ ድማ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባር ጉዱኣት ኣካል ኣብ ከይዲ መበል 7ይ ሃገራዊ መረፃ ንቑሕ ተሳትፎ ንክህልዎም እናተሰርሐ ከምዝኾነ ንኢዜኣ ተዛሪቦም።
ፕሬዚዳንት ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እናትዓለም እንዳለ፤ ኣብዚ ዓመት ኣብ ዝካየድ ሃገራዊ መረፃ ስርዓት ዲሞክራሲ ዘጠናኽር ኣወዳድባ ብምፍጣር ንቑሕ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ምርግጋፅ ዘኽእል ስራሕ መጨበጢ ግንዛበ እናተሰርሐ እዩ ኢለን።
ስለዝኾነ ድማ ልዕሊ 2 ሽሕ ኣባላት እቲ ማሕበር ንተዓዛቢነት መረፃ ብምምዝጋብ ሓላፍነተን ንምውፃእ ከምዝተዳለዋ ኣረዲአን።
እዋን እቲ መረፃ እንትበፅሕ ደቂ ኣንስትዮ ይጠቕመና እዩ ንዝበልኦ ውድብ ፖለቲካ ድምፀን ንምሃብ ዘኽእለን ካርዲ መረፃ ክሕዛ ትፅቢት ከምዝግበረለን እውን ሓቢረን።
ውድባት ፖለቲካ ኣብ ፕሮግራማቶም መብዛሕቲኡ ክፋል ሕብረተሰብ ንዝሽፍን ሓይሊ ሰብ መንእሰይ ትኹረት ክህቡ ከምዘለዎም ዝገለፁ ፕሬዚዳንት ማሕበር መናእሰይ ከተማ ኣዲስ ኣበባ በረከት ብርቢርሳ፤ እቲ ማሕበር እውን ኣብቲ መረፃ ተሳትፎ መናእሰይ ንምጉላህ ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብርታት ትምህርትን ስልጠናን ስራሕቲ ምጭባጥ ግንዛበ እናሳለጠ ከምዝርከብ ተዛሪቦም።