ዕዉታት ምዕራፋት ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ብዲጂታል ስርዓት ብምስናድ ንእታዎት መፅናዕትን ምርምርን ንምውዓል ምድላው እናተገበረ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ዕዉታት ምዕራፋት ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ብዲጂታል ስርዓት ብምስናድ ንእታዎት መፅናዕትን ምርምርን ንምውዓል ምድላው እናተገበረ እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 21/2018(ኢዜኣ) ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ዝሓልፎም ዕዉታት ምዕራፋት ብስርዓት ዲጂታል ቴክኖሎጂ ብምስናድ ንቀፃሊ መፅናዕትን ምርምርን እታዎት ንክኾኑ ምድላው እናተገበረ ከምዝኾነ ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂ ኣዲስ ኣበባ ገሊፁ።
ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂ ኣዲስ ኣበባ ደረጄ እንግዳ (ዶ/ር) ከምዝበልዎ፤ ከም ሃገር ዝተፈጠሩ ተቓርኖታት መፍትሒ ንምንዳይ ሃገራዊ ምኽክር ምክያድ ርኡይ ፋይዳ ኣለዎ።
ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ እውን ኣብ መንጎ ዜጋታት ብናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ንዝተፈጠሩ ተቓርኖታት ፖለቲካን ዘይምርድዳኣትን መፍትሒ ብምሃብ ጠንካራ ሃገረ መንግሥቲ ንምህናፅ ልዑል ረብሓ ኣለዎ ኢሎም።
ኣብ ከይዲ እቲ ምኽክር እውን ብተሳትፎ ኢትዮጵያውያን ኣሳታፍነቱን ዘይሻራውነቱን ሓልዩ ዝሓሸ ውፅኢት ንምምፃእ ኣብ ወሳኒ ምዕራፍ ዓወት ከምዝርከብ ተዛሪቦም።
ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ እውን ኣብ ምትእኽኻብ ኣጀንዳን ምፍላይ ተሳተፍትን እቲ ሃገራዊ ምኽክር ሞያዊ ፍልጠቶም ብምክፋልን ሓሳቦም ብምግላፅን ሃናፂ እጃም እናተዋፅኡ ከምዝርከቡ ኣፍሊጦም።
ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ዝሓልፎም ዕዉታት ምዕራፋት ብስርዓት ዲጂታል ቴክኖሎጂ ብምስናድ ንቀፃሊ መፅናዕትን ምርምርን እታዎት ንክኾኑ ምድላው እናተገበረ ከምዝኾነ እውን ኣብራህሪሆም።
ኣብ ቀፃሊ ምዕራፍ ምኽክር እውን ብዲጂታል ስርዓት ዝተደገፈ ሓበሬታ ምስናድ ዘኽእል ደገፍ ንምጥንኻር ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምውዳድ እናተሰርሐ እዩ ኢሎም።
ሙሁራንን ተምሃሮን ዩኒቨርሲቲታት ኣብ ከይዲ እቲ ሃገራዊ ምኽክር ሓሳቦም ብነፃነት ዝገልፅሉ ምድላው እናተኻየደ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።