ኢትዮጵያ ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ምላሽ ንምሃብ ግንባር ቀደም እጃማ እናተዋፅአት እያ

ኣርባምንጭ/ጥሪ 21/2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ፈተና ንዝኾነ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ምላሽ ንምሃብ ግንባር ቀደም እጃማ እናተዋፅአት ከምዝኾነት ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ገሊፁ።
ግምገማ ትልሚ ኣፈፃፅማ 6 ኣዋርሕ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን፣ዓውዲ ለውጢ ከባብያዊ ኣየርን በዓል መዚ ሓለዋ ከባብን ይካየድ ኣሎ።



ሚኒስትር ዲኤታ ፕላንን ልምዓትን ስዩም መኮንን ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር፣ህንፀት ሓምለዋይ ኢኮኖምን ስራሕ ሓለዋ ከባብን ብትኹረት እናሰርሐት እያ ትርከብ።
ዓለም ለኸ ፈተና ንዝኾነ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ምላሽ ንምሃብ እውን ግንባር ቀደም እጃማ እናተዋፅአት ከምዝኾነት ሓቢሮም።
መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሓዊሱ ብሃገር ቦቆል ስልትታት ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዝወሃብ ዘሎ ምላሽ ጭቡጥ ውፅኢት ከምዘምፀአ ኣረጋጊፆም።
ምክትል ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢ ፌዴሪኢ ፍሬነሽ መኩሪያ ብግደአን፤ ዜጋታት ኣብ ፅሩይን ጥዕና ዘለዎን ከባቢ ናይ ምንባር መሰሎም ንምርግጋፅ ስራሕቲ ንፁህን ሓምለዋይን ልምዓት ተሳሊጦም እዮም ኢለን።



ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ኣብ ተግባራዊነት ስርዓት ቁፅፅር ከባቢ ንምጥንኻር ዝወፁ ሕግታትን መምርሕታትን ተኸታተልቲ ስራሕቲ ምጭባጥ ግንዛበ ከምዝተሳለጡ ኣረዲአን።
ስለዝኾነ ድማ ኣብ ኣተሓሕዛን ኣወጋግዳን ደረቕ ጎሓፍ፣ግምገማ ማሕበራዊ ፅልዋ ከባቢ ከምኡ እውን ኣብ ሓለዋ ብዝሃ ሂወት ዝሓሸ ውፅኢት ከምዝተረኸበ ተዛሪበን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም