ኢትዮጵያ ተሓዳሲ ሓይሊ ኣብ ምፍልፋልን ዞባዊ ምትእስሳር ሓይሊ ኣብ ምጥንኻርን ጭቡጥ ለውጢ እናመዝገበት እያ-ሚኒስትር ኣህመድ ሽዴ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ተሓዳሲ ሓይሊ ኣብ ምፍልፋልን ዞባዊ ምትእስሳር ሓይሊ ኣብ ምጥንኻርን ጭቡጥ ለውጢ እናመዝገበት እያ-ሚኒስትር ኣህመድ ሽዴ
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 21/2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ተሓዳሲ ሓይሊ ኣብ ምፍልፋልን ዞባዊ ምትእስሳር ሓይሊ ኣብ ምጥንኻርን ጭቡጥ ለውጢ እናመዝገበት ከምትርከብ ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ገሊፆም።
መሓዙት ልምዓት ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ንዞባዊ ምትእስሳር ዘለዎ እጃም እውን ንኢዶም።
መበል 27 ኣኼባ ኢንሼቲቭ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣብ ሶማሊያ ሞቃዲሾ ዝተኻየደ እንትኸውን ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ኣብቲ ኣኼባ ተሳቲፎም።
ኣብቲ ኣኼባ ሚኒስትራት ፋይናንስ ሃገራት ኣባል እቲ ኢንሼቲቭን ላዕለዎት ሰብ መዚ መሓዙት ልምዓትን ተረኺቦም።
እቶም ሚኒስትራት ፋይናንስ ንስራሕቲ መሰረተ ልምዓታት መከፋፈሊ ሓይልን ዞባዊ ምትእስሳር ኢነርጅን ቀረብ ፋይናንስ ብምዕባይ ዘተኣማምንን ተመጣጣንን ቀረብ ኢነርጂ ምርግጋፅ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ዘትዮም።
ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ኣብዚ እዋን፤ ምትእስሳር ኢነርጂ ንዞባዊ ዕቤትን ምርግጋዕን ዘለዎ ፋይዳ ኣብራህሪሆም።
ኣብ ኢትዮጵያ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2030 ተመጣጣኒ፣ዘተኣማምንን ዘላቕን ኢነርጂ ተበፃሒ ንምግባር ዝዓለመ ትግበራ ኢንሼቲቭ “National Energy Compact” ልዕሊ 9 ቢልዮን ዶላር ከምዘድልዮን ካብ ዝተፈላለዩ ኣማራፅታት ፋይናንስ ዝርከብን ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ኢትዮጵያ ተሓዳሲ ሓይሊ ኣብ ምፍልፋልን ዞባዊ ምትእስሳር ኤሌክትሪክ ኣብ ምጥንኻርን ውፅኢታት እናመዝገበት ከምትርከብ ተዛሪቦም።
ኣብቲ ኣኼባ፤ ምክትል ፕሬዚዳንትታት ባንኪ ዓለምን ልምዓት ኣፍሪካን ከምኡ እውን ተወከልቲ ሕብረት ኣውሮፓ፣ቢሮ ወጻኢ፣ኮመንዌልዝን ልምዓትን ዩናይትድ ኪንግዶምን ምትሕብባርን ልምዓትን ኢኮኖሚ ጀርመንን ተረኺቦም።
ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ኣብቲ ኣኼባ ካብ ዝነበሮም ተሳትፎ ብተወሳኺ ቢሮ ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ንተሳተፍቲ እቲ ዘተ ኣብ ዘዳለዎ እንግዶት ድራር ምስ ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ሀሰን ሼክ መሐሙድ ምዝታዮም ሚኒስቴር ገንዘብ ንኢዜኣ ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ ሓቢሩ።