ዜጋታት ብኣማራፅታት መልኣኺ መልእኽቲ ብዝፍፀሙ መጥቃዕትታት ሳይበር ተቓላዕቲ ንከይኾኑ ጥንቃቐ ክገብሩ ይግባእ-ምምሕዳር ድሕንነት መርበብ ሓበሬታ

ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 20/2018 (ኢዜኣ) ዜጋታት ብዋትሳፕ፣ቴሌግራምን ካልኦት ኣማራፅታት መልኣኺ መልእኽትን ንዝፍፀሙ መጥቃዕትታት ሳይበርን ተግባራት ምጭብርባርን ተቓላዕቲ ንከይኾኑ ግቡእ ጥንቃቐ ንክገብሩ ምምሕዳር ድሕንነት መርበብ ሓበሬታ ኣተሓሳሲቡ።
እቲ ማሕበረሰብ ድሕንነት ሳይበር ናይ ምሕላው ሓላፍነቱ ንክዋፃእ እውን ፃውዒት ኣቕሪቡ።
ምምሕዳር ድሕንነት መርበብ ሓበሬታ ኣብ ኢትዮጵያ ምስፍሕፋሕ ዲጂታል ምትእስሳር ስዒቡ ብዋትሳፕ፣ቴሌግራምን ካልኦት ኣማራፅታት መልኣኺ መልእኽትን ዝፍፀሙ መጥቃዕትታት ሳይበርን ምጭብርባርን ብዘተሓሳስብ ኩነታት እናወሰኹ ምምፅኦም ብዝተፈላለዩ መንገድታት ምርግጋፅ ከምዝተኽኣለ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣፍሊጡ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብታ ሃገር ዝሳለጡ ዝተፈላለዩ ሲምፖዜማት፣ዓለም ለኸ መድረኻትን ኦንላይን ኣኼባታትን ከም ሰናይ ኣጋጣሚ ብምጥቃም ገበናኛታት ሳይበር ናይዞም ፍፃመታት ሽም ንናይ ሓሶት ስርሖም እናተጠቐምሎም ከምዝርከቡ ኣረዲኡ።
እዞም ኣካላት ውልቀ ሓበሬታ እቲ ማሕበረሰብ ንምስራቕ፣ሒሳባት ባንኪ ንምስራቕን ዲጂታል ድሕንነት ንምርባሽን ብዝተዋደደ መልክዑ እናሰርሑ ከምዝኾኑ እቲ ምምሕዳር ብኽትትልን ምርመራን ከምዘረጋገፀ ሓቢሩ።
እቶም መጥቃዕትታት ሳይበር እቲ ማሕበረሰብ ትኹረት ዝህቦም ተደላይን እዋናውን ዝኾኑ ጉዳያት መበገሲ ብምግባር ብዝተዘርገሐ ስልታዊ መታለሊ ሜላ ከምዝፍፁሙ እውን ፀሪሑ።
እቶም መጭበርበርቲ “ንተሳተፍቲ እቶም ሲምፖዜማት ዝተዳለወ ነፃ ፓኬጅ ኢንተርኔት”፣”ፍሉይ ቁፃር ስራሕ” ወይ ድማ “እዚ መሳተፊ ኣኼባ ሊንክ እዩ፤ ከፊቶም ይእተዉ”ዝብሉ ዘሰሓሓቱን ሰሓብትን መልእኽትታት ብምዝርጋሕ ተጠቀምቲ ኣብቲ መልእኽቲ ዝተገለፀ ሊንክ ንክጥውቑ ከምዝብሩ ብምግላፅ፤ እዚ ተግባር እቲ ተጠቃሚ ከይፈለጦ ናብ ጎዳኢ ልኡኽቶ ዘለዎም ድሕረ ገፃት ንከምርሕን ንጥቕዓት ተቓላዒ ንክኸውንን ዝገብር ቀዳማይ ስጉምቲ እቶም ገበነኛታት እዩ ኢሉ።
እቶም ጥቕዓት ዘብፅሑ ሕፅረት ግንዛበን ትኹረትን ሓደ ሓደ ሰባት ተጠቒሞም ዝለኣኹሎም ሊንክታትን መልእኽትታትን ብጥንቃቐ ናይ ምምርማር ዕድሎም ትሑት ምዃኑ ስዒቡ እቶም ገበነኛታት እዚ ኩነታት ከም ምችው ኣጋጣሚ እናተጠቐምሉ ከምዝርከቡ ኣብራህሪሁ።
ከምዚ ዓይነት ጥቕዓት ካብ ስርቂ ሓበሬታ ውልቀ ሰባት ብዝዘለለ ኣብ ኢዶም ዝርከቡ ሚስጥራዊ ሓበሬታታት ኣብ ትሕቲ ጠለፍቲ/መጭበርበርቲ ንክወድቁ ብምግባር ኣብ ልዕሊ ልኣላዊነትን ድሕንነትን ሃገር ልዑል ሓደጋ ከምዘጋጥም እቲ ምምሕዳር ኣተሓሳሲቡ።
ስለዝኾነ ድማ ተጠቀምቲ ዝተልኣኸሎም ሊንክታት እንትጥውቑ ወይ ድማ ዝተሓተትዎ ሓበሬታ እንትመልኡ ናይ ዋትሳፕ ወይ ድማ ቴሌግራም ኣካውንቶም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ጠለፍቲ/ኣጭበርበርቲ ንክውዕል ከምዝገብር እውን ኣብቲ መግለፂ ተገሊፁ።
እቶም ገበነኛታት ናይ ሓደ ሰብ ኣካውንት ሓደ ግዜ ድሕሪ ምቁፅፃሮም እቲ ዝተጠለፈ ኣካውንት ብምጥቃም ብሽም እቲ ተጎዳኢ ንናይ ቀረባ ፈተውቱ፣ቤተሰቡን መሳርሕቱን “ሃንደበታዊ ፀገም ኣጋጢሙኒ” ዝብሉ ናይ ሓሶት ሕቶታት ደገፍ ገንዘብ ይልእኹ።
እዚ ተግባር ድማ ኣብ መንጎ እቲ ማሕበረሰብ ዘሎ ምትእምማን ካብ ምሽርሻር ብተወሳኺ ልዑል መጠን ዘለዎ ገንዘብ ብምጭብርባር ንክስረቕ ብምግባር ሰፊሕ ኢኮኖሚያውን ስነ ልቦናውን ጉድኣት እናብፀሐ ከምዝርከብ እቲ ምምሕዳር ኣፍሊጡ።
ኣብ ላዕሊ ዝተገለፁን ተዛመድቲ ስግኣታት ሓደጋ ሳይበርን ንምቕናስ ትካላት መንግስትን ውልቀን ከምኡ እውን እቲ ማሕበረሰብ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ጥንቃቐ ክገብሩ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ።
ካብ ዘይፍለጡ ወይ ድማ ዘይተረጋገፁ ኣድራሻታት ብዋትሳፕ፣ቴሌግራምን ካልኦት መድረኻትን ዝለኣኹ ሊንክታት ብዘይምኽፋትን ኣጠራጠርቲ መልእኽትታት እንትበፅሑ ሽዑ ንሽዑ "Report"ን "Block"ን ብምግባር ዝርገሐ እቲ መጥቃዕቲ ምግታእ ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።
ብተወሳኺ እውን ዝኾነ ዓይነት ሚስጥራዊ መሕለፊ ቃል ወይ ድማ ብስልኪ ዝለኣኽ መረጋገፂ ኮድ (Verification Code) ንዝኾነ ኣካል ዘይምሃብ ንዲጂታል ድሕንነት ወሳኒ ከምዝኾነ ኣመላኺቱ።
እቲ ምምሕዳር ሕድ ሕድ ተጠቃሚ ብፍላይ ድማ እቲ ማሕበረሰብ ኣብቶም መተግበሪታት ክልተኣዊ መረጋገፂ (Two-Step Verification) ብህፁፅ ተግባራዊ ንክገብር እውን ኣረዲኡ።
እዚ ቴክኖሎጂ ጠለፍቲ ሓበሬታ ኣካውንት ውልቀ ሰባት ብቐሊሉ ንከይቆፃፀሩ ዝገብርን ተወሳኺ ቁልፊ ድሕንነት ዝፈጥርን ዘተኣማምን መከላኸሊ ሜላ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ዜጋታት እዚ ቀሊልን ውፅኢታውን ዝኾነ ጥንቃቐ ድሕንነትተግባራዊ ብምግባር ዓርሶም ካብ ብቴክኖሎጂ ዝተደገፉ ተግባራት ምጭብርባር ከድሕኑን ሽርሒ ገበነኛታት ሳይበር ከፍሽሉን ከምዝግባእ ምምሕዳር ድሕንነት መርበብ ሓበሬታ ኣተሓሳሲቡ።
ምምሕዳር ድሕንነት መርበብ ሓበሬታ እዞም ገበነኛታት ሳይበር ብሕጊ ተሓተትቲ ንምግባር ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ፀጥታን ፍትሕን ተዋዲዱ እናሰርሐ ከምዝርከብ እውን ኣፍሊጡ።
እቲ ማሕበረሰብ ዝኾነ ዓይነት ፈተነ መጥቃዕቲ ሳይበር እንተጋጥሞ ወይ ድማ ዘጠራጥር ምንቅስቓስ እንትዕዘብ ብነፃ መስመር ስልኪ 933 ብምድዋል ንምምሕዳር ድሕንነት መርበብ ሓበሬታ ጥቆማ ወይ ድማ ሓበሬታ ንክህብ ፃውዒት ቀሪቡ።
ድሕንነት ሳይበር ምርግጋፅ ሓላፍነት ሓደ ትካል ጥራሕ ዘይኮነስ ሓባራዊ ሓላፍነት ኩላትና ስለዝኾነ ኣጠቓቕማ ቴክኖሎጂና ብንቕሓትን ብጥንቃቐን ብምምራሕ ሰላምን ድሕንነትን ሃገርና ብሓባር ምሕላው ከምዝግባእ እቲ መግለፂ ኣገንዚቡ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም