መበል 39 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ብዓወት ንክሳለጥ ኣድላይ ምድላው ተገይሩ እዩ-ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ - ኢዜአ ትግርኛ
መበል 39 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ብዓወት ንክሳለጥ ኣድላይ ምድላው ተገይሩ እዩ-ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 20/2018 (ኢዜኣ) መበል 39 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ብዓወት ንክሳለጥ ኣድላይ ምድላው ከምዝገበረ ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ኣዛዚ ላዕለዋይ መምርሒ ምክልኻል ገበን ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ምክትል ኮሚሽነር ጀነራል መላኩ ፋንታ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝበልዎ፤ ኣዲስ ኣበባ እተተኣናግዶም ዓበይቲ ዓለም ለኸ ኣኼባታት ብዓወት ንክዛዘሙ እቲ ትካል ብቆራፅነት እናሰርሐ እዩ ዝርከብ።
ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ብርክት ዝበሉ መራሕቲ ሃገራት፣ ሓለፍቲ ዓለም ለኸ ትካላትን ላዕለዎት ዲፕሎማትን ዝተሳተፉሎም ኣኼባታት ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣኣበባ ከምዝተኻየዱ ኣዘኻኺሮም።
እዞም መድረኻት ብዘይ ዝኾነ ፀገም ብዓወት ምስላጦም ብርኪ ድልዉነት ፖሊስን ካልኦት ትካላት ፀጥታን ዘርኢ እዩ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ልዑል ቁፅሪ ዘለዎም መራሕቲ ሃገራት ወፃእን ኣባላት ዲፕሎማቲክ ማሕበረሰብን ዝሳተፉሎም ዓበይቲ ኣኼባታት ናይ ምትእንጋድ ልምዲ ከምዘለዋ እውን ተዛሪቦም።
መበል 39 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብዓወት ንምክያድ ቅድሚ እቲ ጉባኤ ክሳለጡ ዘለዎም ስራሕቲ ቅድመ ምድላው ብውፅኢታውነት ከምዝተሳለጡ ኣረዲኦም።
ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ በቢ ዓመቱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ዓብይ ዲፕሎማሲያዊ መድረኽ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ድሉውነት ዓውዲ ፀጥታ ንዕዉትነት እቲ ጉባኤ ወሳኒ እጃም ከምዘለዎ ሓቢሮም።
መበል 39 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ካብ 7 ክሳብ 8 ለካቲት 2018 ዓ/ም “ምርግጋፅ ዘላቒ ቀረብ ማይን ድሕንነቱ ዝተሓለወ ስርዓት ኣተሓላልዋ ፅሬትን፤ ንዕዉትነት ሽቶታት ኣጀንዳ 2063” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ።