ኣብ ኣከባብራ በዓል መበል 90 ዓመት ምስረታ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ምስታፍና ርክብና ንምሕዳስ ሰናይ ኣጋጣሚ ፈጢሩ እዩ-ኣዛዚ እዚ ኣፍሪካ ዩናይትድ ስቴትስ ጄኔራል ዳግቪን ኣርኤም - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ኣከባብራ በዓል መበል 90 ዓመት ምስረታ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ምስታፍና ርክብና ንምሕዳስ ሰናይ ኣጋጣሚ ፈጢሩ እዩ-ኣዛዚ እዚ ኣፍሪካ ዩናይትድ ስቴትስ ጄኔራል ዳግቪን ኣርኤም
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 19/2018(ኢዜኣ) ኣብ ኣከባብራ በዓል መበል 90 ዓመት ምስረታ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ምስታፍና ርክብና ንምሕዳስ ሰናይ ኣጋጣሚ ፈጢሩ እዩ ክብሉ ኣዛዚ እዚ ኣፍሪካ ዩናይትድ ስቴትስ(ኣፍሪኮም) ጄኔራል ዳግቪን ኣርኤም ገሊፆም።
ሚኒስትር ምክልኻል ፌዴሪኢ ኣይሻ መሓመድ ሎሚ መዓልቲ ንኣዛዚ እዚ ኣፍሪካ ዩናይትድ ስቴትስ(ዩኤስ-ኣፍሪኮም) ጄኔራል ዳግቪን ኣርኤም ኣንደርሰን ተቐቢለን ኣዘራሪበን።
ኣብዚ እዋን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ወታደራዊ ርክብ ንምዕባይ ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ዝዘተዩ እንትኸውን ሓባራዊ መግለፂ እውን ሂቦም።
ኢንጂነር ኣይሻ መሀመድ ኣብ ዝሃብኦ መግለፂ፤ ክልቲአን ሃገራት ዋላ ኳ ዝፀንሐ ርክብ እንተሃለወን ሕዚ እናዓበየ ዝመፀ ልዑል ዲፕሎማሲያውን ወታደራውን ርክብ ናብ ዝለዓለ ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ብምዕባይ ማዕረ ተረባሕነት ንምርግጋፅ ከምዝሰርሓ ኣብ ስምምዕ ከምዝተበፅሐ ተዛሪበን።
ብተወሳኺ እውን ኣብ ጉዳያት ሰላምን ፀጥታን ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ምርድዳእ ከምዝበፅሓን ብሄራዊ ረብሓ ክልቲአን ሃገራት ንምሕላው ግብረ ራዕድነት ብሓባር ንምቅላስን ምስምዕመዐንን ኣረዲአን።
ኣዛዚ እዚ ኣፍሪካ ዩናይትድ ስቴትስ(ዩኤስ-ኣፍሪኮም) ጄኔራል ዳግቪን ኣርኤም ኣንደርሰን ብግደኦም፤ መበል 90 ዓመት ምስረታ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ንምኽባር ናብ ኢትዮጵያ ምምፅኦም ታሪኽ ንምርዳእን መፃኢ ምትሕብባር ንምጥንኻርን ትርጉም ዘለዎ ኣጋጣሚ እዩ ኢሎም።
ናይ ኢትዮጵያ ዑደቶም እውን ኣብ ኣከባብራ በዓል መበል 90 ዓመት ምስረታ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ንምርካብን ንምስታፍን ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ዩናይትድ ስቴትስን ዘሎ ናይ ነዊሕ እዋን ርክብ ዳግማይ ንምርኣይ ዕድል ከምዝሃቦም ኣብ መግለፂኦም ሓቢሮም።
እቲ ዑደት ብፍላይ ድማ ሓባራዊ ዞባዊ ፈተናታት ድሕንነት ንምፍታሕን ዕድላት ምሕዝነት ንምጥቃምን ከምኡ እውን ርክብ ክልቲአን ሃገራት ንምጥንኻር ዓብይ ዕድል ከምዝፈጠረ ምግላፆም ኢዜኣ ካብ ኦንላይን ሚድያ ምክልኻል ዝረኸቦ ሓበሬታ የመላኽት።