ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተወሰኽቲ 9 መውሃቢ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል “ኣዲስ መሶብ” ናብ ስራሕ ንምእታው ምድላው እናተገበረ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተወሰኽቲ 9 መውሃቢ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል “ኣዲስ መሶብ” ናብ ስራሕ ንምእታው ምድላው እናተገበረ እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 19/2018(ኢዜኣ) ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተወሰኽቲ 9 መውሃቢ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል “ኣዲስ መሶብ” ናብ ስራሕ ንምእታው ምድላው እናተገበረ ከምዝኾነ ዋና ዳይሬክተር ሓደ ማእኸል ዲጂታል ኣገልግሎት መንግሥቲ ኣዲስ መሶብ ዮናስ ኣለም ኣየሁ ገሊፆም።
እቶም ዋና ዳይሬክተር ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ እቲ ማእኸል ኣገልግሎት ካብ ዝጀመረሉ እዋን ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ ንልዕሊ 55 ሽሕ ዜጋታት ኣገልግሎት ምሃብ ክኢሉ እዩ።
ኣብ ኣወሃህባ ኣገልግሎት እቲ ማእኸል ብዝተገበረ መፅናዕቲ ዳህሳስ ዝወሃብ ኣገልግሎት ኣብ ተገልገልቲ ዕግበት ከምዝፈጠረ ብምግላፅ፤ እቲ ማእኸል ስራሕ እንትጅምር 107 ዝነበርዎ ዓይነታት ኣገልግሎት ኣብዚ ሕዚ እዋን ናብ 132 ከምዝዓበዩ ኣፍሊጦም።
ኣብ ቀረባ እዋን 4 ትካላት ናብቲ ማእኸል ከምዝኣትዉ ብምሕባር፤ እዚ ድማ ተበፃሕነት ኣገልግሎት ኣብ ምስፋሕ ርኡይ እጃም ኣለዎ ኢሎም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ኣገልግሎት ኣብ ዋና ቤት ዕዮን ሓደ ጨንፈርን ጥራሕ እናተውሃበ ከምዝርከብ ዝገለፁ እቶም ዋና ዳይሬክተር፤ ተበፃሕነት ንምስፋሕ ተወሰኽቲ 9 ጨንፈራት ንምኽፋት ምድላው እናተገበረ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ጎና ጎኒ ምስፍሕፋሕ እቲ ኣገልግሎት እቶም ማእኸላት ንተገልገልቲ ብዝበለፀ ምችዋት ናይ ምግባር ስራሕ እውን ብትኹረት እናተሳለጠ ከምዝርከብ ሓቢሮም።