ውፅኢታት ወታደራዊ ቴክኖሎጂ ሕልሚ ልዕልና ርሑቕ ዘበን ኢትዮጵያ ብጭቡጥ ኣብ ቀረባ እዋን ከምነዐውቶ ዘረጋግፁ እዮም-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 19/2018(ኢዜኣ) ኣብ ኤክስፖ ሓይሊ ኣየር ዝተርኣዩ ውፅኢታት ወታደራዊ ቴክኖሎጂ ሕልሚ ልዕልና ርሑቕ ዘበን ኢትዮጵያ ብጭቡጥ ኣብ ቀረባ እዋን ከምነዐውቶ ዘረጋግፁ እዮም ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ንዓለም ለኸ ኤክስፖ ሓይሊ ኣየር ተዓዚብና ኢሎም።



ጉዕዞ 90 ዓመታት ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ብዓወትን ብጀግንነትን ጥራሕ ዝተገደበ ከምዘይነበረን ብውፅኢት ፈጠራን ቴክኖሎጂን እውን ከምዝኾነን ብምግላፅ፤ ኣብ ዋና ቤት ዕዮ እቲ ሓይሊ ኣየር ኣብ ዝተኸፈተ ዓለም ለኸ ኤክስፖ ሓይሊ ኣየር ሎሚ ዝተዓዘብናዮ ሓቂ እውን ነዚ ዘረጋግፅ እዩ ኢሎም።
ኣብቲ ኤክስፖ ዝተዓዘብናዮም ውፅኢታት ወታደራዊ ቴክኖሎጂ ሕልሚ ልዕልና ርሑቕ ዘበን ኢትዮጵያ ብጭቡጥ ኣብ ቀረባ እዋን ከምነዐውቶ ዘረጋግፁ እዮም ክብሉ እውን ኣረዲኦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም