ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ዝተመዝገቡ ዓወታት ብምቕፃል ንተረባሕነት ዜጋታት ብትኹረት ክስራሕ እዩ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 18/2018(ኢዜኣ) ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ዝተመዝገቡ ዓወታት ብምቕፃል ንተረባሕነት ዜጋታት ብትኹረት ክስራሕ እዩ ክብላ ከንቲባ ምምሕዳር እቲ ከተማ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።
ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ “ብትግሃት ንኣዲስ ኣበባ ናብ ዝለዓ ዓወት” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ከካይዶ ዝፀንሐ ግምገማ ኣፈፃፅማ ስራሕቲ መንግሥትን ፓርትን 6 ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2018 ተዛዚሙ።



ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብቲ መዛዘሚ መድረኽ ከምዝበልኦ፤ ነታ ከተማ ፅባቐ ዝፈጠሩ ዘበናዊ ስራሕቲ ልምዓት መንገዲ፣ማይ፣ኮሪደርን ወሰና ወሰን ሩባን ተሳሊጦም እዮም።
ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንምፅባቕ ዝተሳለጡ ዓወታት ልምዓት ማእኸልነት ኮንፈረንስ እታ ከተማ ብምዕባይ ብርክት ዝበሉ ዜጋታት ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም ተጠቀምቲ ዕድል ስራሕ ንክኾኑ ከምዘኽኣለ ሓቢረን።
ኣብ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ዝተሳለጡ ስራሕቲ እውን ንድሌት ሰናይ ምምሕዳር ዜጋታት ምላሽ ብምሃብ ዕግበት ኣገልግሎት እናፈጠረ እዩ ኢለን።
ኣብ ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ እውን ተሳትፎ መሓዙት ልምዓትን ህዝብን ብምዕባይ ኩለ መዳያዊ ተረባሕነት ዜጋታት ዘረጋግፅ ጭቡጥ ውፅኢት ከም ዝተመዝገበ ኣረዲአን።
ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2018 ኣብ ሰብ ተኮር ልምዓት፣ስርዓት ቀረብ ፍርያት ዕዳጋ፣ምርግጋዕ ዕዳጋን ምቕናስ ምኽባር ናብራን፣ህንፀት ዘላቒ ሰላምን ተዛመድቲ ዘፈራት ልምዓትን ዝነኣድ ዓወት ምምዝጋብ ከምዝተኽኣለ ብምግላፅ፤ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ዝተረኸቡ ዓወታት ውፅኢት ቆራፅነት ኣመራርሓን ተዋዲድካ ምስራሕን ከም ዝኾኑ ኣብራህሪሀን።
ኣብ ዝቕፅሉ 6 ኣዋርሕ እዚ በጀት ዓመት እውን ተረባሕነት ህዝቢ ንምዕባይ ብዝለዓለ ዓቕሚ ምፍፃም እቶም ዓወታት ንምቕፃል ከምዝስራሕ ኣረጋጊፀን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም