እዋናዊ ሓበሬታ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ጠንካራ ዓቕሚ ማሕበረሰብ ንምህናፅ ወሳኒ እጃም ኣለዎ-ኢጋድ

ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 18/2018(ኢዜኣ) እዋናዊ ሓበሬታ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ጠንካራ ዓቕሚ ማሕበረሰብ ንምህናፅን ዘላቒ ልምዓት ንምርግጋፅን ወሳኒ እጃም ከምዘለዎ በዓል መዚ በይነ መንግሥትታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ(ኢጋድ) ገሊፁ።
ማእኸል ትንበያን ትግበራን ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኢጋድ ምስ መሓዙት ኣካላት ብምትሕብባር ዘዳለዎ መበል 72 መድረኽ ምልከታ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ቀርኒ ኣፍሪካ(GHACOF 72) ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኬንያ ናይሮቢ ተጀሚሩ።
እቲ መድረኽ፤ “ምጥንኻር ሓበሬታን ኣገልግሎታትን ለውጢ ከባብያዊ ኣየር፤ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ጠንካራ ማሕበረሰብ ንምህናፅን ንዘላቒ ልምዓትን ዘለዎ እጃም”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ እዩ ዝካየድ ዘሎ።
ኣብቲ መድረኽ፤ ሰብ መዚ ሃገራት ኣባል ኢጋድ፣ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ትካላት ትንበያ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር፣ሳይንቲስቲታት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር፣ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ይሳተፉ ኣለዉ።



ምጥንኻርን ምስፋሕን ሓበሬታን ኣገልግሎታትን ለውጢ ከባብያዊ ኣየር፣እዋናዊ ሓበሬታታት ንውሳነ ምጥቃም፣ጥንካረ ምህናፅን ዘላቒ ልምዓት ምርግጋፅን ዓበይቲ ትኹረታት እቲ መድረኽ ከምዝኾኑ ኢዜኣ ካብቲ ማእኸል ዝረኸቦ ሓበሬታ የመላኽት።
ኢጋድ በቲ ማእኸል ትንበያን ትግበራን ኣቢሉ ሓበሬታታት ትንበያ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር በቢ እዋኑ ብምውፃእ ስርዓት ቅድመ መጠንቀቕታ ኣባል ሃገራት ምጥንኻር ዘኽእሉ ደገፋት እናገበረ ከምዝርከብ ሓቢሩ።
እቲ ሎሚ ዝተጀመረ ዞባዊ ዘተ እውን ሳይንስ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ቀዲምካ ንምክልኻልን ምላሽ ንምሃብን ምጥቃም ዝከኣለሉ ኩነታት ኣብ ምቅልጣፍ እጃሙ ከምዘበርክት ገሊፁ።
ኣብ ስርዓት ቅድመ መጠንቀቕታ ሜላ መነባብሮን ሂወትን ዜጋታት ንምሕላው ከምኡ እውን ሃገራት ንጉድኣት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘይቃላዕ ዓቕሚ ንምህናፅን ዘላቒ ልምዓትን ንምርግጋፅን ወሳኒ እጃም ከምዘለዎ ተገሊፁ።
እቲ መድረኽ፤ ክሳብ ፅባሕ ዝፀንሕ እዩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም