ኢትዮጵያን ፎረም ኢኮኖሚክ ዓለምን ምትሕብባሮም ንምጥኻር ዝዓለመ ምኽክር ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 16/2018 (ኢዜኣ) ምትሕብባር ኢትዮጵያን ፎረም ኢኮኖሚክ ዓለምን ብዝበለፀ ተጠናኺሩ ኣብ ዝቕፅለሉ ኣግባብ ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ምስ ፕሬዚዳንት እቲ ፎረም ቦርጌ ብሬንድ ዘትዮም።
እቲ ዘተ፤ ጎና ጎኒ ኣብ ዳቦስ ዝተኻየድው ፎረም ኢኮኖሚክ ዓለም 2026 እዩ ተኻይዱ።



ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ንሪፎርም ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ኣመልኪቶም ነቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ዝገበርሎም ገለፃ፤ ኢትዮጵያ ምስ ዝተፈላለዩ መሓዙት ኣብ ዓለም ለኸ ልምዓት፣ ቴክኖሎጂን ፋይናንስን ንክትዝቲ እቲ ፎረም ንዘበርከቶ ኣስተዋፅኦ ኣመስጊኖም።
ኣብ ቀፃሊ እውን ክልቲኦም ወገናት ኢንቨስትመንት ሓዊሱ ኣብ ምሕዝነት ልምዓት ብምትሕብባር ንምስራሕ ከምዝተስማዕምዑ ሚኒስቴር ገንዘብ ንኢዜኣ ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ የመላኽት። 
ኢትዮጵያ  ኣብ ፎረም ኢኮኖሚ ዓለም 2026 ዝገበረቶ ተሳትፎ ብዝተፈላለዩ ዓውድታት ዕዉት ኮይኑ ከምዝተዛዘመ እውን ተገሊፁ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም