ኣብ ፍርቂ ዓመት እዚ በጀት ዓመት 3 ነጥቢ 4 ቢልዮን ዶላር ዘውፅእ ተካኢ ፍርያት ፈርዩ

ኣርባ ምንጭ/ጥሪ 16/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ፍርቂ ዓመት እዚ በጀት ዓመት 3 ነጥቢ 4 ቢልዮን ዶላር ዘውፅእ ተካኢ ፍርያት ከምዝፈረየ ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ኣፍሊጡ።
ኣፈፃፅማ ፈላማይ ፍርቂ ዓመት በጀት ዓመት 2018 ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ተፀዕቲ ትካላትን መዳርግቲ ኣካላትን ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ከተማ ኣርባ ምንጭ ይግምገም ኣሎ።



ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ዓውዲ ማኑፋክቹሪንግ ኢንዱስትሪ እታ ሃገር ዓርሳ እትኽእለሉ መግለፂ ልኣላዊነት እዩ።
በዚ ድማ ነቲ ዓውዲ ብዝተውሃቦ ትኹረት ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ 3 ነጥቢ 4 ቢልዮን ዶላር ዘውፅእ ተካኢ ፍርያት ከምዝፈረየ ብምሕባር፤ 204 ሚልዮን ዶላር ዘውፅእ ፍርያት ናብ ወፃኢ ከምዝተልኣኸ እውን ተዛሪቦም።
ኣብቲ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ኣብ ዓውዲ ማኑፋክቸሪንግ ኢንዱስትሪ ልዕሊ 161 ሽሕ ዜጋታት ተረባሕቲ ዕድል ስራሕ ከምዝኾኑ ብምግላፅ፤ ኣብቲ ዓውዲ ብርክት ዝበሉ ሓደሽቲ ኢንቨስትመንትታት ምስሓብ ከምዝተኽኣለ ኣረዲኦም።
ኣብ ፍርያታት ኢንዱስትሪ ካልኦት ሃገራት ጥራሕ ተንጠልጢልካ ምንባር ኣይከኣልን ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፤ እታ ሃገር ብማኑፋክቸሪንግ ኢንዱስትሪ ምምዕባል ወሳኒ እዩ ኢሎም።
ኣብ ተካእቲ ፍርያት ትኹረት ብምግባርና ቅልጡፍ ለውጢ እናተመዝገበ እዩ ዝከብ ዝበሉ ሚኒስትር መላኩ፤ ተወዳዳሪነት ማኑፋክቸሪንግ ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ ዘጠናኽር ፖሊሲ ተሓንፂፁ ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወ ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም