ኢትዮጵያ ብኩሎም ዓውድታት ምዕባይ እንተኽኢላ ዝፀንዐትን ዝተኸበረትን ሃገር ንመፃኢ ወለዶ ምርካብ ንኽእል ኢና-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ብኩሎም ዓውድታት ምዕባይ እንተኽኢላ ዝፀንዐትን ዝተኸበረትን ሃገር ንመፃኢ ወለዶ ምርካብ ንኽእል ኢና-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 16/2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ብሚዛን ኣብ ኩሎም ዓውድታት ምዕባይ እንተኽኢላ ዝፀንዐትን ዝተኸበረትን ሃገር ንመፃኢ ወለዶ ምርካብ ንኽእል ኢና ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ክብረ በዓል መበል 90 ዓመት ምስረታ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ምኽንያት ብምግባር ምርኢት ኣየር ጥቁር ኣንበሳ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብቲ ክብረ በዓል ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ዋላ ኳ 90 ዓመት ዝገበረ እንተኾነ ንነዊሕ ዓመታት እኹልን ተኸታታልን ህንፀት ከምዘይተገበረሉ ሓቢሮም።
ኣብ ዝሓለፉ 5 ዓመታት ነቲ 85 ዓመታት ዝምጥን ብቴክኖሎጂ፣ሓይሊ ሰብን ካብ መጥቃዕቲ ሓይሊ ምክልኻል ዘኽእልን ብቕዓት ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ከምዝተሃነፀ ተዛሪቦም።
ሎሚ መዓልቲ 4ይ ወለዶ ናይ ምውጋእ ዓቕሚ ዝሃነፀ እቲ ሓይሊ ኣየር ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2030 ናብ 5ይ ወለዶ ንክሰጋገር ክስራሕ እዩ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ብወታደራዊ ዓቕሚ ጥራሕ ዝተማልአ ዕቤት ከምዘይተምፅእን ኩለ መዳያዊ ዕቤት ከምዘድልያን ገሊፆም።
ብኢኮኖሚ፣ዲፕሎማሲ፣ፖለቲካውን ወታደራውን ብሚዛን ንኹሉ ምዕባይ እንትንኽእል ዝፀንዐትን ዝተኸበረትን ኢትዮጵያ ንደቅና ምርካብ ንኽእል ኢና ክብሉ እውን ኣረዲኦም።
ኢትዮጵያ ምስ ፈተውታ ንምስራሕ ኩሉ በራ ክፍቲ እዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ረብሓ፣ሓድነትን ብሄራዊ ረብሓን ኢትዮጵያ ካብ ፀላእትና ንምሕላው ኣይንድቅስን ኢሎም።
ብልፅግናን ዕቤትን ኢትዮጵያ ናይ ምርግጋፅ ጉዕዞ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅልን ነዚ ጠጠው ዘብል ዝኾነ ሓይሊ ከምዘየለን እውን ኣረጋጊፆም።
ሰላም፣ሓድነትን ብልፅግናን ኢትዮጵያ ብሓባራዊ ምትሕብባር ኢትዮጵያውያን ጋህዲ ከምዝኸውን ኣረዲኦም።