ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢ ዘበናዊ ቴክኖሎጂታት ኣብ ምጥቃም ኣብ ዝለዓለ ብርኪ እዩ ዝርከብ

ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 16/2018(ኢዜኣ) ኩርዓት ኢትዮጵያ ዝኾነ ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢ ዘበናዊ ቴክኖሎጂታት ኣብ ምጥቃም ኣብ ዝለዓለ ብርኪ ከምዝርከብ ዋና ኣዛዚ እቲ ሓይሊ ኣየር ሌተናል ጄነራል ይልማ መርዳሳ ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ክብረ በዓል መበል 90 ዓመት ምስረታ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ምኽንያት ብምግባር ምርኢት ኣየር ጥቁር ኣንበሳ ኣብ ቢሾፍቱ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ።



እቶም ዋና ኣዛዚ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኩርዓት ኢትዮጵያ ዝኾነ ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢ ዘበናዊ ቴክኖሎጂታት ኣብ ምጥቃም ኣብ ዝለዓለ ብርኪ እዩ ዝርከብ።
እቲ መርሃ ግብሪ ክብረ በዓል 90 ዓመት ጥራሕ ዘይኮነስ መርኣያ ጠንካራ ብሄራዊ ኣገልግሎትን ዘይተቛረፀ ልህቀትን እዩ ኢሎም።
ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ መርኣያ ዓቕሚ ሃገርን መግለፂ ብሄራዊ ኩርዓት ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።
እቲ ሓይሊ ኣየር ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ብምስራሕ 90 ዓመታት ዘቑፀረ ትካል ከምዝኾነ ብምዝኽኻር፤ ሰላም ኢትዮጵያ ንምሕላው ኣብ ዝለዓለ ድሉዉነት ከምዝርከብ ሓቢሮም።



ድሕንነት ኢትዮጵያ ንምሕላው ብሓይሊ ሰብን ቴክኖሎጅን ዓቕሙ በቢ እዋኑ ብምጥንኻር ትፅቢት ዝግበረሉ እናሰርሐ እዩ ዝርከብ ኢሎም።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምርኢት ኣየር፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)ን ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ሌተናል ጄኔራል ይልማ መርዳሳን ሓዊሱ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ፣ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር፣ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፣ምክትል ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ጄኔራል ኣበባው ታደሰ፣ላዕለዎት ወታደራዊ መኮንናትን ሓለፍቲ ስራሕ መንግሥትን ተረኺቦም።



"ሰማይ ኣንበሳታት ኢትዮጵያ" ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ምርኢት ኣየር፤ ካብ ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢ ብተወሳኺ ሓይሊ ኣየራት ዝተፈላለያ ሃገራት እውን እናተሳተፉ እዮም ዝርከቡ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም