ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ንኢትዮጵያ ንምድፋር ንዝፈተኑ ሓይልታት ቀንዲ መድሓኒት ኮይኑ ሃገር ዘፅነዐ ትካል እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ንኢትዮጵያ ንምድፋር ንዝፈተኑ ሓይልታት ቀንዲ መድሓኒት ኮይኑ ሃገር ዘፅነዐ ትካል እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 16/2018(ኢዜኣ) ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ንኢትዮጵያ ንምድፋር ንዝፈተኑ ሓይልታት ቀንዲ መድሓኒት ኮይኑ ሃገር ዘፅነዐ ትካል እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ክብረ በዓል መበል 90 ዓመት ምስረታ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ምኽንያት ብምግባር ምርኢት ኣየር ጥቁር ኣንበሳ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ እቲ ሓይሊ ኣየር ኣብ ዝሓለፉ 90 ዓመታት ብብዙሕ ውረድ ደይብ ዝሓለፈ ትካል እዩ።
እቲ ሓይሊ ኣየር ንኢትዮጵያ ብዝኾነ ኣንፈት ንምድፋር ንዝፈተኑ ሓይልታት ቀንዲ መድሓኒት ኮይኑ ሃገር ዘፅነዐ ትካል ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።
ካብ ኢትዮጵያ ብዝዘለለ እውን ኣብ ዘበነ ምብቃዕ ባዕዳዊ መግዛእቲ ክልል ኣየር ታንዛኒያ ዝሓለወ ኩርዓት ኣፍሪካውያን እዩ ኢሎም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዘበናዊ ዕጥቂ እናተሓገዘ ኣብ ዝለዓለ ብቕዓት ከምዝርከብ እውን ሓቢሮም።
ንሕና ብዘይ ኢትዮጵያ ኣዶ የብልናን ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኢትዮጵያ መተካእታ ዘይብላ ኣዴና ከምዝኾነት ተረዲእና ንልዕልና ሃገር ብሓባር ክንሰርሕ ኣለና ኢሎም።
ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢ ኣብ ዝቕፅሉ 5 ዓመታት ሕዚ ካብ ዘለዎ ዓቕሚ ብዕፅፊ ንምዕባይ ካብ ሕዚ ጀሚሩ ብትኩረት እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
ኢትዮጵያ ኣብዚ በጀት ዓመት 10 ነጥቢ 3 ሚኢታዊ ዕቤት ከምተመዝግብ ኣፈፃፅማ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ከምዘመላኸተ እውን ተዛሪቦም።
እዚ ዕቤት ሙሉእ ዝኸውን ጠንካራ ወታደራውን ፀጥታውን ትካላት ብምህናፅ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ኣብ ትማሊ ጠጠው ዝበለት ሃገር ከምዘይኮነት ዝገለፁ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ፤ ኣብ ሓይሊ ኣየር ንፅባሕ ዝምጥን ከምኡ እውን እዚ ዘበን ዝበፅሖ ዓቕሚ ከምዝፈጠረት ሓቢሮም።