ፃውዒት ሰላም መንግሥቲ ተቐቢሎም ዝመፁ ነበር ዕጡቓት ስልጠና ተሃድሶ ብምውሳድ ብዘላቕነት ናይ ምጥያሽ ስራሕ ተጠናኺሩ እናቐፀለ እዩ-ኮሚሽን ብሔራዊ ተሃድሶ - ኢዜአ ትግርኛ
ፃውዒት ሰላም መንግሥቲ ተቐቢሎም ዝመፁ ነበር ዕጡቓት ስልጠና ተሃድሶ ብምውሳድ ብዘላቕነት ናይ ምጥያሽ ስራሕ ተጠናኺሩ እናቐፀለ እዩ-ኮሚሽን ብሔራዊ ተሃድሶ
ኮምቦልቻ/ጥሪ 16/2018 (ኢዜኣ) ፃውዒት ሰላም መንግሥቲ ተቐቢሎም ዝመፁ ነበር ዕጡቓት ስልጠና ተሃድሶ ብምውሳድ ብዘላቕነት ናይ ምጥያሽ ስራሕ ተጠናኺሩ እናቐፀለ ከምዝኾነ ምክትል ኮምሽነር ኮሚሽን ብሔራዊ ተሃድሶ ብርጋዲየር ጀነራል ደርቤ መኩሪያው ገሊፆም።
ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ሳልሳይ ዙር ፕሮግራም ምፍናውን ምረቓን ነበር ዕጡቓት ኣብ ግዝያዊ ማእኸል ዲሞቢላይዜሽን ኮምቦልቻ ኣካይዱ።
ምክትል ኮምሽነር ኮሚሽን ብሔራዊ ተሃድሶ ብርጋዲየር ጀነራል ደርቤ መኩሪያው ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ዝገበርዎ መደረ ከምዝበልዎ፤ ፃውዒት ሰላም መንግሥቲ ተቐቢሎም ዝመፁ ነበር ዕጡቓት ስልጠና ተሃድሶ ብምውሳድ ብዘላቕነት ናይ ምጥያሽ ስራሕ ተጠናኺሩ እናቐፀለ እዩ።
ኣብ መንጎ ብሄራዊ ክልላዊ መንግሥቲ ኣምሓራን ህዝባዊ ትካል ፋኖ ኣምሓራን ዘላቒ ስምምዕ ሰላም ምግባሩ ስዒቡ ኣመራርሓን ኣባላትን እቶም ዕጡቓት ንሰላም ዘለዎም ድሉውነት ብተግባር ብምግላፅ ዕጥቆም ፈቲሖም ምምፅኦም ተዛሪቦም።
ስለዝኾነ ድማ ንሃገርን ህዝብን ዝጠቅም ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ውሽጣዊ ሓድነትን ሰላምን ብምፅናዕ ኩለ መዳያዊ ዕቤት ኢትዮጵያ ብሓባር ክነቐፅሎ ኣለና ኢሎም።