ምርኢት ኣየር ጥቁር ኣንበሳ ይካየድ ኣሎ - ኢዜአ ትግርኛ
ምርኢት ኣየር ጥቁር ኣንበሳ ይካየድ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 16/2018 (ኢዜኣ) መበል 90 ዓመት ምስረታ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ብዝምልከት ዝተዳለወ ምርኢት ኣየር ጥቁር ኣንበሳ ኣብ ቢሾፍቱ እናተኻደ እዩ ዝርከብ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምርኢት ኣየር፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)፣ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ ከምኡ እውን ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር ተረኺቦም።
ብተወሳኺ እውን ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፣ምክትል ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ጄኔራል ኣበባው ታደሰ፣ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ሌተናል ጄኔራል ይልማ መርዳሳ ሓዊሱ ላዕለዎት ወታደራዊ መኮንናትን ሓለፍቲ ስራሕ መንግሥትን ተረኺቦም።
"ሰማይ ኣንበሳታት ኢትዮጵያ" ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ምርኢት ኣየር፤ ካብ ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢ ብተወሳኺ ሓይሊ ኣየራት ዝተፈላለያ ሃገራት እውን እናተሳተፉ እዮም ዝርከቡ።