ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዘሳልጡን ዞባዊ ምትእስሳር ዘጠኽሩን ስልጠናታት ቴክኒክን ሞያን እናተውሃቡ እዮም

ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 16/2018 (ኢዜኣ) ምቅልጣፍ ዓምድታት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ኣብ ግምት ዘእተዉን ዞባዊ ምትእስሳር ዘጠናኽሩን ስልጠናታት ቴክኒክን ሞያን እናተውሃቡ ከምዝኾኑ ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ስልጠና ቴክኒክን ሞያን ፌዴራል ብሩክ ከድር (ዶ/ር) ገሊፆም።
ኢንስቲትዩት ስልጠና ቴክኒክን ሞያን ፌዴራል ምስ ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ብምትሕብባር መናእሰይ ክእለቶምን ሓሳቦምን ትርጉም ናብ ዘለዎም ፈጠራታት ምቕያር ዝኽእልሉ “ክእለት ኢትዮጵያ” ዝተብሃለ መርሃ ግብሪ ተግባራዊ ገይሩ።
ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ስልጠና ቴክኒክን ሞያን ፌዴራል ብሩክ ከድር (ዶ/ር) ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ዓውዲ ስልጠና ቴክኒክን ሞያን ኢትዮጵያ ብስሩዕን ሓፀርትን ስልጠናታት ብዓመት ክሳብ 6 ሚልዮን ዜጋታት ናይ ምትእንጋድ ዓቕሚ ኣለዎ።
ኣብ መርሃ ግብሪ "ክህሎት ኢትዮጵያ" ካብ መላእ ኢትዮጵያ ዝተውፃእፅኡ ሰብ ሞያ ፈጠራ እታዎት ተማሊእሎምን መሰል ዋንነት ፈጠርኦም ተሓልይሎምን ሓሳብ ፈጠርኦም ጋህዲ ዝገብርሉ ዓቕሚ እናሃነፁ ከም ዝኾነ ሓቢሮም።
ስለዝኾነ ድማ እቶም መናእሰይ ብጉጅለ ብምዃን ልዕሊ 100 ሓደሽቲ ፈታሕቲ ፀገም ስራሕቲ ፈጠራ ከውፅኡ ክኢሎም እዮም ኢሎም።
እዞም ስራሕቲ ፈጠራ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንምዕባይ ብዓውድታት ትኹረት ዝተፈለዩ ዓውድታት ግብርና፣ ኢንዱስትሪ፣ቱሪዝም፣ መዓድንን ቴክኖሎጂ ኢንፎርሜሽንን ዝተኸተሉ ከምዝኾኑ ኣረዲኦም።
እቲ ኢንስቲትዩት ነባራዊ ኩነታት ዓለም ዘበነ ትምህርቲ እዚ ዓመት ኣብ ግምት ዘእተዉን ዞባዊ ምትእስሳር ዘጠናኽሩን ከም ሰብ ስራሕ ብልሒ፣ ድሕንነት ሳይበር፣ ባዮሜዲካል ቴክኖሎጂ፣ሮቦቲክስ ቴክኖሎጂን ተዛመድቲ ሓደሽቲ ዓውድታት ስልጠናን ከምዝጀመረ ተዛሪቦም።
ፖሊሲ ጉዳይ ወፃኢ ኢትዮጵያ ቀዳምነት ንጎረቤት ሃገራት ከምዝብል ብምግላፅ፤ ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ እውን ንጎረቤት ሃገራት ቀዳምነት ብምሃብ ዜጋታት ወፃኢ ሃገር ስልጠና ክእለት ንክረኽቡ እናተገበረ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም