ብህብር ሰሪሕና ንኣዲስ ኣበባ መርኣያ ብልፅግና ናይ ምግባር ራኢና ኣብ ሽቶኡ ክነብፀሖ ኢና-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ - ኢዜአ ትግርኛ
ብህብር ሰሪሕና ንኣዲስ ኣበባ መርኣያ ብልፅግና ናይ ምግባር ራኢና ኣብ ሽቶኡ ክነብፀሖ ኢና-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 16/2018 (ኢዜኣ) ብህብር ሰሪሕና ንኣዲስ ኣበባ መርኣያ ብልፅግና ናይ ምግባር ራኢና ኣብ ሽቶኡ ክነብፀሖ ኢና ክብላ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።
እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ኣብ ዘመሓላለፍኦ መልእኽቲ፤ ሎሚ ንጉሆ ጉዕዞ ስራሕ 6 ኣዋርሕ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝምዘነሉ መድረኽ ግምገማ ብዕሊ ከምዝተጀመረ ሓቢረን።
ኣብቲ ንሰለስተ መዓልቲ ዝፀንሕ መድረኽ ኣብ ፍርቂ ዓመት በጀት ዓመት 2018 ብስራሕቲ መንግስትን ፓርትን ዝተሳለጡ ዓበይቲ ስራሕቲ፣ካብ ወረዳ ክሳብ ምምሕዳር ከተማ ምስ ዘሎ ኣመራርሓ ብዝርዝር ከም ዝግምገሙ ፀሪሐን።
ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ቀትርን ለይትን ብምስራሕ ብዝተለወጠ ባህሊ ስራሕ፣ነበርትን መሓዙት ልምዓትን ኣተሓባቢርና ኣብ ኩሎም ዓውድታት ዝተለምናዮም ስራሕቲ ብማእኸላይ 95 ነጥቢ 3 ሚኢታዊ ምዕዋት ክኢልና ኢና ኢለን።
ዋላ ኳ ዝለዓለ ውፅኢት እንተተመዝገበ ዝተርኣዩ ክፍተታትን ግልፂ ዘይኮነ ኣፈፃፅማ ትልሚ ትካላትን ብፍላይ ድማ ኣብ ቅልጡፍን ፅሬት ዘለዎ ኣወሃህባ ኣገልግሎትን ዘለዉ ክፍተታት፣ኣገልግሎት ንምሃብ ጉቦ ምሕታት፣ጉድለት ቅንዕና ብግልፂ ብምፍላይ ንምእራም ኣብ ቀጻሊ ትኹረት ከምዝግበረሉ ገሊፀን።
እቲ መድረኽ፤ ንቀፀልቲ 6 ኣዋርሕ ተወሳኺ ዓቕምን ተሞኩሮን እንሰንቀሉን ንነበርቲ ከተማና ብዝሓሸ ትግሃትን ተኣማንነትን ንምግልጋል እንዳለወሉን እዩ ኢለን።
ንዕዉትነት እቶም ስራሕቲ ኣስተዋፅኦ ንዝገበሩ ኣመራርሓ፣ሰራሕተኛታትን መሓዙት ልምዓትን ምስጋና ኣቕሪበን።
ብህብር ሰሪሕና ንኣዲስ ኣበባ መርኣያ ብልፅግና ናይ ምግባር ራኢና ኣብ ሽቶኡ ክነብፅሖ ኢና ኢለን ኣብ መልእኽተን።