ኢትዮጵያን ጅቡቲን ዝኾነ ዓይነት ዶብ ተሳጋሪ ገበናት ብሓባር ምክልኻል ዘኽእል ወታደራዊ ስምምዕ ተፈራሪመን - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያን ጅቡቲን ዝኾነ ዓይነት ዶብ ተሳጋሪ ገበናት ብሓባር ምክልኻል ዘኽእል ወታደራዊ ስምምዕ ተፈራሪመን
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 15 /2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያን ጅቡቲን ዝኾነ ዓይነት ዶብ ተሳጋሪ ገበናት ብሓባር ምክልኻል ዘኽእል ወታደራዊ ስምምዕ ተፈራሪመን።
እቲ ስምምዕ፤ ብዋና ኣዛዚ እዚ ሰሜን ምብራቕ ሌተናል ጄኔራል ኣሰፋ ቸኮልን ኣዛዚ እዚ ግንባር ሰሜን ምዕራብ ጅቡቲ ኮሎኔል ዓሊ ሸህሚ እዮም ፈሪመምዎ።
ዋና ኣዛዚ እዚ ሰሜን ምብራቕ ሌተናል ጄኔራል ኣሰፋ ቸኮል፤ ወታደራዊ ርክብ ወታደራዊ ኣመራርሓ ኢትዮጵያን ጅቡቲን ጠንካራን ነዊሕ እዋን ዘቑፀረን እዩ ኢሎም።
እቲ ምትሕብባር እቲ ከባቢ ካብ ገበነኛታት፣ዘይሕጋዊ ዶብ ተሳጋሪ ገበናትን ዕጡቓትን ብሓባር ኣብ ምክልኻል ዝፀንሐን ታሪኻውን ዓውዲ ዘለዎ ከምዝኾነ ኣመላኺቶም።
ኣብ ቀፃሊ እውን ሓደሽቲ ስምምዓት ብምውሳኽን ብምሕዳስን ኣድላይ ወታደራዊ ምትሕብባር ከምዝግበር ሓቢሮም።
ወታደራዊ ኣታሼ ኢትዮጵያ ኣብ ጅቡቲ ሜጀር ጀኔራል ተስፋየ ወልደ ማርያም ብግደኦም፤ ኣብቲ ዞባ ኣብ ወታደራዊ ጉዳያት ዝግበሩ ዘተታትን ስምምዓትን ኣብ ዋና ዋና ሓባራዊ ጉዳያት ሰላምን ፀጥታን ትኹረት ብምግባር ስራሕቲ እናተሳለጡ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።
ኣዛዚ ግንባር ሰሜን ምዕራብ ጅቡቲ ኮሎኔል ዓሊ ሸህሚም፤ ወታደራዊ ሓይሊ ጅቡቲ ምስ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ጠንካራ ርክብ ከምዘለዎ ኣረዲኦም።
ቅድሚ ሕዚ ዝተገበሩ ዘተታትን ስምምዓትን ኣብ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ዘጋጥሙ ዝተፈላለዩ ገበናት ብሓባርን ብምርድዳእን ምክልኻልን ፀገማት ምፍታሕን ዘኽእሉ እዮም ኢሎም።
ንሓደ መዓልቲ ኣብ ዝተኻየደን ኣብ ምርድዳእ ዝተበፅሐሉን ዘተ እውን ብርክት ዝበሉ ጉዳያት ዝተልዓሉ እንትኸውን ካብዚኣቶም ድማ ምጥያሽ መዋቕር፣ እዋናውን ድሕንነቱ ዝተሓለወን፣ዶብ ተሳጋሪ ፍፃመታት ገበን ምክልኻልን ካልኦት ሓሳባትን ከምዝተልዓሉ ኦንላይን ሚድያ ምክልኻል ንኢዜኣ ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ የመላኽት።