ቅልጡፍ ዕቤት ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ንሃገራት ኣፍሪካ መርኣያ ዝኸውን እዩ-ወታደራዊ ኣታሼታት ሃገራት ኣፍሪካ

ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 15/2018(ኢዜኣ) ቅልጡፍ ዕቤት ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ንሃገራት ኣፍሪካ መርኣያ ዝኸውን እዩ ክብሉ ወታደራዊ ኣታሼታት ሃገራት ኣፍሪካ ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ንመበል 90 ዓመት ምስረታ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ብዝምልከት ዝተዳለወ ኤክስፖ ኣቪዬሽን ተኸፊቱ።



ወታደራዊ ኣታሼ ኤምባሲ ቦትስዋና ኣብ ኢትዮጵያ ኮሎኔል ሞታሲ ቼሌኒያኔ፤ ሓይሊ ኣየር ኣብ ኣቪዬሽን፣ ኢንጂነሪንግን ቴክኖሎጂን ኣብ ዘደምም ለውጢ ከም ዝርከብ ካብቲ ኤክስፖ ምዕዛቦም ተዛሪቦም።
ብፍላይ እቲ ሓይሊ ኣየር ፅገና ሓዊሱ ኣብ ካልኦት ቁልፊ ስራሕቲ ምህንድስና እቲ ዓውዲ ዓርሱ ንምኽኣል ዘሳልጦ ዘሎ ስራሕ ዝነኣድ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣፍሪካ ካብዚ ልምዲ ክወስዳ ከምዘለወን ሓቢሮም። 



ወታደራዊ ኣታሼ ኤምባሲ ናሚቢያ ኣብ ኢትዮጵያ ማካንዚ ቺቤራ ብግደኦም ከምዝበልዎ፤ ኣብዚ ዝሓለፉ እዋናት ይኹን ኣብዚ ሕዚ እዋን ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ናይ ባዕሉን ናይ ኣፍሪካን ዓቕሚ ንምዕባይ ፃዕሪ እናገበረ እዩ።
ሃገራት ኣፍሪካ ብሓባርን ብምትሕብባርን እንተሰሪሐን ብዙሕ ርሕቐት ምኻድ ከምዝኽእላ ብምሕባር፤ ኣብዚ መዳይ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ንዝወሰዶ ተበግሶ ንኢዶም።



ወታደራዊ ኣታሼ ኤምባሲ ጋቦን ኣብ ኢትዮጵያ ኮሎኔል ኣርሲዴ ኣንጉሌ፤ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ሃገር ዝውክል ዓብይ ትካል እዩ ኢሎም።



ንካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ እውን መርኣያ ዝኸውን ከምዝኾነ ገሊፆም። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም