እቲ ኤክስፖ ኣቪዬሽን ንእጃም ኢትዮጵያ ኣብ ማእኸልነት ኣቪዬሽን ኣፍሪካ ዘጠናኽር እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
እቲ ኤክስፖ ኣቪዬሽን ንእጃም ኢትዮጵያ ኣብ ማእኸልነት ኣቪዬሽን ኣፍሪካ ዘጠናኽር እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 15/2018(ኢዜኣ) ኤክስፖ ኣቪዬሽን 2026 ንእጃም ኢትዮጵያ ኣብ ማእኸልነት ኣቪዬሽን ኣፍሪካ ዘጠናኽር ከምዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገሊፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ሎሚ መዓልቲ ኣብ መኽፈቲ ንክብረ በዓል መበል 90 ዓመት ምስረታ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ዝተዳልወ ኤክስፖ ኣቪዬሽን 2026 ተረኺበ ኢሎም።
እቲ ኤክስፖ ኣቪዬሽን፤ “ንቕድሚት ምብራር፣ ሓባራዊ ፅባሕ ምህናፅ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝተዳለወ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።
እቲ ኤክስፖ፤ ቴክኖሎጂ፣ክእለት፣ምትሕብባር ኣቪዬሽን ንምዕባይን እጃም ኣብ ምዕባይ ዘሎ ማእኸልነት ኣቪዬሽን ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ንምጥንኻርን ተሓባበርቲ ኣካላት ውሽጢ ሃገርን ወፃእን ኣብ ሓደ መድረኽ ዘራኸበ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።