ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ መኽፈቲ ንበዓል መበል 90 ዓመት ምስረታ ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢ ብዝምልከት ኣብ ዝተዳለወ ኤክስፖ ኣቪዬሽን ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 15/2018 (ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)ን ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸውን ኣብ ዕላዊ መርሃ ግብሪ መኽፈቲ መበል 90 ዓመት ምስረታ ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዝተዳለወ ኤክስፖ ኣቪዬሽን 2026 ከምዝተረኸቡ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጡ። 



እቲ ኤክስፖ፤ “ቀፃሊ ዓቕሚ ኣቪዬሽን ብሓባር ንህነፅ”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝተዳለወ እንትኸውን ኢትዮጵያ ንልምዓት ኣቪዬሽንን ኤሮስፔስን፣ዓለም ለኸ ምትሕብባር ንምጥንኻርን ሃገርና ኣብ ልምዓት ኣቪዬሽን ማእኸል ፈጠራ፣ክእለትን ልምዓትን እቲ ዞባን ኣህጉርን ንምግባርን ንዘለዋ ፅኑዕ ቅዋምን ተግባርን ዘርኢ ከምዝኾነ እውን እቲ ቤት ፅሕፈት ገሊፁ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም