ቱሪዝም ስፖርት ኢትዮጵያ ንምዕባይ ዝተሳለጡ ስራሕቲ ጭቡጥ ውፅኢት እናተረኸበሎም እዩ

‎ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 15/2018(ኢዜኣ) ቱሪዝም ስፖርት ኢትዮጵያ ንምዕባይ ዝተሳለጡ ስራሕቲ ጭቡጥ ውፅኢት እናተረኸበሎም ከምዝኾነ ሚኒስቴር ባህልን ስፖርትን ገሊፁ።
ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ባህልን ስፖርትን መኪዩ መሐመድ ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንቱሪዝም ስፖርት ምችውቲ ንምግባር ዝተሳለጡ ስራሕቲ ልዑል ውፅኢት እናተረኸበሎም እዩ።
ስለዝኾነ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት 16 ዓለም ለኸ ፍፃመታት ስፖርት ብዓወት ብምትእንጋድ እታ ከተማ ንቱሪዝም ስፖርት ዓቕሚ ከምዘለዋ ብተግባር ምርኣይ ተኻኢሉ እዩ ኢሎም።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ቱሪዝም ስፖርት ዝተኣናገዱ ፍፃመታት ኣብ ህንፀት ምስሊ ሃገርን ኣታዊ ሸርፊ ወፃእን ከምኡ እውን መሰረተ ልምዓት ስፖርት ኣብ ምስፍሕፋሕ ኣወንታዊ እጃም ከምዘለዎም ኣረዲኦም።
ኣብ ቀፃሊ እውን 32 ብሄራዊ ፌዴሬሽናት ስፖርት ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ፍፃመታት ስፖርት ናብ ውሽጢ ሃገር ንከምፅኡ ብምትሕብባር እናተሰርሐ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ዓቕሚ ምትእንጋድ ዲፕሎማሲ ስፖርትን ስፖርታዊ ፍጻመታትን ኢትዮጵያ ብምዕባይ ቀዳማይ መባፅሒ ቱሪዝም ስፖርት ንምግባር ብትኹረት እናተሰርሐ እዩ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም