ኣህጉራዊ ነፃ ዞባ ንግዲ ኣፍሪካ ንኢትዮጵያን ዛምቢያን ሓደሽቲ ዕድላት ኢንዱስትርን ንግድን ሒዙ መፂኡ እዩ-ኣምባሳደር ኣልበርት ሙቻንጋ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣህጉራዊ ነፃ ዞባ ንግዲ ኣፍሪካ ንኢትዮጵያን ዛምቢያን ሓደሽቲ ዕድላት ኢንዱስትርን ንግድን ሒዙ መፂኡ እዩ-ኣምባሳደር ኣልበርት ሙቻንጋ
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 15/2018(ኢዜኣ) ኣህጉራዊ ነፃ ዞባ ንግዲ ኣፍሪካ ኢትዮጵያን ዛምቢያን ኣብ ኢንዱስትርን ንግድን ዘለወን ምትሕብባር ብዝበለፀ ምስፋሕ ዝኽእላሉ ሰፊሕ ዕድል ከም ዝፈጠረ ኣምባሳደር ዛምቢያ ኣብ ኢትዮጵያ ኣልበርት ሙቻንጋ ገሊፆም።
ኣምባሳደር ዛምቢያ ኣብ ኢትዮጵያ ኣልበርት ሙቻንጋ፤ ኣህጉራዊ ነፃ ዞባ ንግዲ ኣፍሪካ 1 ነጥቢ 5 ቢልዮን ህዝቢ ኣብ ዝነብረላ ኣህጉር ነፀላ ዕዳጋ ብምፍጣር ሰፊሕ ዕድላት ሒዙ ከም ዝመፀ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ገሊፆም።
ኢትዮጵያን ዛምቢያን እቲ ስምምዕ ፈሪመን ኣብ ቤት ምኽሪ መውፅኢ ሕገን ካብ ዘፅደቓ ሃገራት ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።
እዚ ድማ ክልቲአን ሃገራት ብቐሊሉ ዕዳጋ ንክፍፅማ፣ኢንዱስትሪታት ንከስፋሕፋሓን ፍርያተን ኣብ ዕዳጋ ኣፍሪካ ንክሸጣን ፅቡቕ ኣጋጣሚ ከምዝፈጠረ ኣረዲኦም።
እተን ሃገራት ብኣህጉራዊ ማዕቐፍ ካብ ክልቲኣዊ ምትሕብባር ብተወሳኺ ዞባዊ ምትእስሳር ጋህዲ ንምግባር ክሰርሓ ኣለወን ኢሎም።
ማሕበሰባት ንግዲ ኢትዮጵያን ዛምቢያን ሓዊሱ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ዘለዎም ሃፍቲ ብምውዳድ ብሓባር ምፍራይ እንተኽኢሎም ካብ ዓርሶም ብዝዘለለ ንዕዳጋ ኣፍሪካ ዝበቕዑ ፍርያታት ምቕራብ ከምዝከኣል ተዛሪቦም።